ኢጣልያ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ስለዝወሰኸ ኣብያተ ትምህርቲን ድኳናትን ክትዓጹ እያ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ካብ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ኢጣልያ ዝርከቡ ድኳናት፣ ኣብያተ ምግቢን ኣብያተ ትምህርቲን ክዕጸዉ እዮም።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ማርዮ ድራጊ "ሓድሽ ማዕበል" ኮሮናቫይረስ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ድሕሪ ምጥንቃቑ እዩ።
ኣብ ቅነ በዓል ፋሲካ፡ ማለት'ውን ካብ 3 -5 ሚያዝያ ኣብ ዘለዉ መዓልታት ድማ ኣብ ኢጣልያ ምሉእ ዕጽዋ ክግበር እዩ።
እታ ቅድሚ ሓደ ዓመት ቀዲማ ሃገራዊ ዕጽዋ ዝኣወጀት ኢጣልያ፡ ሕዚ'ውን ተመሊሳ ንዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክትቆጻጸሮ ገና ኣብ ቃልሲ እያ ዘላ።
ኣብ'ታ ሃገር፡ ምስ ኮቪድ ዝተሓሓዝ 100,000 ሞት ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብ ኣውሮጳ ካብ ብሪጣንያ ቀጺሉ እቲ ዝዓበየ ብዝሒ ሞት እዩ።
ኣብ ኢጣልያ፡ ወፍሪ ክታበት'ውን ተደናጉዩ እዩ ዘሎ፤ እዚ ድማ ኣብ ካልእ ቦታታት ኣውሮጳዊ ሕብረት'ውን ተራእዩ እዩ።
ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መንግስቲ ኢጣልያ 250,000 ብልቃጥ ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኒካ ክታበት ናብ ኣውስትራልያ ከይለኣኽ ዝኸልከለ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ'ታ ሃገር ሕጽረት ክታበት ስለዘጋጠመ እዩ።
ከም ቡልጋርያ፣ ዴንማርክን ኖርዌይን ዝበላ ገለ ሃገራት ድማ ነቲ ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኒካ ዝበሃል ክታበት፡ ምርጋእ ደም የስዕብ እዩ ብዝብል ፍርሒ ኣቋሪጸንኦ ኣለዋ።
ትካል ጥዕና ዓለም ግን፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ክታበት ምርጋእ ደም የስዕብ እዩ ዝብል ሓቃውነቱ ኣይተረጋገጸን ብምባል፡ ሃገራት ነቲ ክታበት ደው ከብለኦ ከምዘይብለን ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ኢጣልያ እቲ ሓድሽ ሕጊ እንታይ እዩ?
ካብ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ከባብታት ኢጣልያ፡ ድኳናት፣ ኣብያተ መግቢን ኣብያተ ትምህርቲን ክዕጸዉ እዮም።
እዚ ድማ ኣብተን ብዙሕ ሰብ ዝነብረለን ሮምን ሚላንን እውን ተግባራዊ ዝኸውን እዩ።
ሰባት ብዘይካ ናብ ስራሕ፣ ሕክምናን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ኣይፍቀዶምን።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
