ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ንሱዳን ኣቲዩ

Published

ፍሊይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዘሎ ዶባዊ ወጥሪ ንምህዳእ ንካርቱም ከምዝኣተወ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ሓቢሩ።

ኣምባሳደር መሓመድ ኣል ሃሓን ላበት፡ ትማሊ ሓሙስ ንካርቱም ከምዝኣተወን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ሓላፊ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኾነ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ፡ ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ተራኺቡ ከምዝተዛተየ ተገሊጹ።

ንሱ፡ ምስ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣባላት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝኾነ፡ ሌ/ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ከምዝተራኸበ'ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ብሕርሻ ሃብታም ምዃኑ ዝንገረሉ ኣልፋሻጋ: ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብን ምትፍናን ኣትየን ይርከባ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሱዳን ነቲ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያውያን ሚሊሻ ዝነበረ ከባቢ ከምዘምለሰቶ ኣዊጃ ነይራ።

ዋላ'ኳ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ እምበር ናብ ኲናት ክኣትዋ ከምዘይደልያ ብተደጋጋሚ እንተገለጻ፡ ወታሃደራዊ ምትፍናን ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝሓዞ ክወጽእን እቲ ኩነታት ናብቲ ቅድሚ ሕዳር ዝነበረ ክምለስ ክትጽውዕ እንከላ፡ ሱዳን ግን ኣብ መሬታ ከምዘላ ብምግላጽ ሰራዊታ ከምዘይትስሕብ'ያ እትገልጽ።

ገለ ምንጭታት ከምዝብልዎ፡ ኣብ ዶባት ክልቲአን ዘሎ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣብዘን ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ እንተዘይኪኢሉ፡ ናብ ወታሃደራዊ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ኩርናዕ ኣልፋሻጋ

ኩርናዕ ኣልፋሻጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኮይኑ፡ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ምዃኑ ይግለጽ።

ክልቲኦም መንግስታት ኣቐዲሞም፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን፡ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባርን ተሰማሚዕም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ናይ ክልቲአን ሃገራት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክውስኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።

እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።