ጀዋር መሓመድ ንኣዲኡ ከለልያ ከምዘይከኣለ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Mahder Haileselase Tadese
ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ [ኦፌኮ]፡ ንልዕሊ 2 ሰሙን ኣብ ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ዝርከቡ ኣቶ ጀዋር መሓመድ፣ ኣቶ በቀለ ገርባ፣ ኣቶ ሓምዛ ኣዳነን ኣቶ ሸምሰዲን ጠሃን ጥዕነኦም ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።
መንግስቲ ሕተኦም ክምልስን ግቡኡ ክዋጻእን ድማ እቲ ፓርቲ ሓቲቱ።
“ንዝሰኣን ህይወት ተሓታቲ ዝኸውን መንግስቲ እዩ” ብምባል ህዝብን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጽዕንቶ ክፈጥር'ውን እቲ ፓርቲ ተማሕጺኑ።
ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ኦፌኮ፡ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ፡ እቶም ኣብ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ዝርከቡ እሱራት፡ ሓሚሞም ከምዘለው፣ ሰብ ምልላይ ከምዘይኽእሉን ህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከምዝርከብን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ማሕበሰብ ዓለም ፊርማ ብምትዕኽኻብ፣ ድምጹ ብምስማዕ፣ ሰልፊ ተቓውሞ ብምግባር ኮነ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣድላይ ዝኾነ ጽዕንቶ ብምፍጣር ህይወት ናይቶም ፖለቲከኛታት ከድሕን ይሓትት።
1 ለካቲት 2013 [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ከምዝሓትተዎም ዘዘኻኸረ ኣቶ ጥሩነህ፡ “ዝኾነ ቃል ክትንፍሱ ኣይኽእሉን። ናይ ሕክምና ድጋፍ የድልዮም እዩ” ኢሉ።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ብፍላይ ፖሊተከኛ ጀዋር መሓመድ፡ ክትሓቶ ንዝኸደት ኣዲኡ’ኳ ከለልያ ከምዘይኸኣለ፡ ኣቶ ጥሩነህ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ጀዋር ኣዲኡ ክትሓቶ ከይዳ ከለልያ ኣይከኣለን። ምድሪ ሒዙ፡ ዳርጋ እናተፏሓኸ እዩ ናብ’ቲ መእሰሪ ክፍሉ ተመሊሱ። በኽየ እየ ተፈልየዮ” ብምባል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።
ዓቀብቲ ሕጊ፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦትን ከይዶም ክርእይዎም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጽዕንቶ ክፈጥሩን’ውን ሓቲቱ።
“ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ጸሊም ነጥቡ ምዃኑ ፈሊጦም፡ ንመንግስቲ ዘድሊ ምኽርን መተሓሳሰብን ክህቡ ምኸኣሉ” ኢሉ።
ኣባላት እቲ ፓርቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮምያ፡ ብተደጋገሚ ከምዝእሰሩን፣ ተኣሲሮም ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀርቡን ተዛሪቡ።
እዚ ኩነታት እንተዘይተመሓይሹ፡ ከይዱ ከይዱ እቲ ፓርቲ ተዳኺሙ ክፈርስ ከምዝኽእል’ውን ስግኣቱ ገሊጹ።
ምሕሳም ምግቢ ከቑሙ ተለሚኖም
ካብ ፖሎቲከኛታት ኣቦ ወንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ፡ ኣቲ ሌንጮ ለታ፡ ኣቶ ባቴ ኤርጌሳ ከምኡ'ውን ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ስታዝ ካሚል ሸምሱ ናብ ቃልቲ ብምኻድ እቲ ምሕሳም ከቐሙ ከምዝለመንዎም ይዝከር።
ካብ ጠበቓታት ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ኣቶ ምስጋኑ ሙለታ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ፖሎቲከኛታት ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ደው ንክብልዎ ክልምንዎም እንከለዉ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበረ እዩ ዝሕብር።
"ብዓል ኣቶ ጃዋር ኣዝዮም እዮም ተዳኺሞም ዘለዉ፡ ጃዋር ብዙሕ ክዛረብን ክስጉምን ኣይክእልን እዩ፡ ኣካላቱ ደኹሙ እዩ፡ ሓካይም'ውን ከይዛረብ እዮም ዝመኽርዎ ነይሮም" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እቶም ንሽምግልና ዝኸዱ ሰባት መግቢ ብልዑ ኢሎም ለሚኖሞም ንሶም ግን ፍቃደኛታት ክኾኑ ኣይክኣሉን" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ሓካይም "መርመራ ምስ ገበርሎም ማይ እንተዘይሰትዮም ገለ ክፋል ኣካላቶም ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኸውን ከምዝኽእል ምስ ነገርዎም ማይ ብሓይሊ ክወስዱ ጀሚሮም፡ መግቢ ግን ክሳብ ሕጂ ብጎሮሮኦም ኣይወረደን" ክብል ኣቶ ምስጋኑ ሙለታ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ስለ ምንታይ ምሕሳም መግቢ?
ብዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካየድሉ ዘለዉ ቀንዲ ዕላማ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሎቲከኛታት ዝወርድ ዘሎ ምንግልታዕን ምእሳርን ከምኡ'ውን ንዕኦም ንምብጻሕን ውዕሎ ፍርዶምን ንምክትታል ዝመጽኡ ሰባት ዝበጽሖም ዘሎ ማእሰርትን ምፍርራሕን ደው ንኽብል እዩ።
ኣቲ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ብዙሃት ፖሎቲከኛታት ድሕሪ ሞት ውሩይ ናይ ኦሮሞ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተለዓለ ዕግርግር ተተሓሒዙ ኣብቲ ዕግርግር ኢድ ነይርኩም'ዩ ብዝብል ክሲ'ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዩም።
ልክዕ ከም ናይ ብዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ'ውን ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ እዮም ዝርከቡ።
ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ እቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ነቶም ተኸሰስቲ (እሱራት) ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከየውድቖም ምክትታል ከምዘድልዮም ገሊጹ።
እቲ ኮምሽን፡ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቶም እሱራት ኣድማ ምሕሳም መግቢ ንኸካይዱ ምክንያት ዝኾነ ነገር ኣብ ቤት ፍርዲ ከምኡ'ውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ቆላሕታ ክውሃቦ ኣለዎ" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
