እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢንዶኒዥያ፡ ብ'ደማዊ' ውሕጅ ዘዕለቕለቐት ቁሸት
ሓንቲ ኣብ ኢንዶኒዥያ እትርከብ ቁሸት ብቐይሕ ደም ሕብሪ ዝመልኦ ውሑጅ ኣዕለቕሊቓ።
እቲ ወሓዚ ሩባ ከምዚ ዓይነት ዘይተለምደ ሕብሪ ክሕዝ ዝኸኣለ፡ ውሕጅ ንሓደ ዓለባ ሕብሪ ዝልኸየሉ ፋብሪካ ምስ ሃረመ እዩ።
እቲ ብደም ዝጠልቀየ ዝመስል ሕብሪ ዘለዎ ወሓዚ ማይ፡ ኣብ ማእከላይ ጃቫ፡ ጄንጎት ብዝበሃል ጎደና ኣዕለቕሊቑ ዝመጽአ እዩ።
ኣብ ደቡባዊ ከተማ ፔካሎንጋን ዝርከብ እዚ ኸባቢ፡ ዓለባታት ብባህላዊ ሕብሪ ብምድማቕ ዝፍለጥ ፋብሪካ ዝርከበሉ እዩ።
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ነቲ ደም ዝተለኸየ ዝመስል ወሓዚ ማይ ምስልታት ኣብ ገጻቶም ክጥቅዑ ተራእዮም።
ሓደ ሓላፊ ረድኤት እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተቓልሑ ምስልታት ሓቃዊ ምዃኖም ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ዲማስ ኣርጋ ዝተባህለ፡ "እቲ ቀይሕ ሕብሪ ብምኽንያት እቲ በቲ ውሕጅ ዝተሃረመ መቐለሚ ፋብሪካ ዓለባ እዩ ከምኡ ኾይኑ። ዝናብ ምሰሃረመ ኣብኡ ተሓዊሱ ባአዕሉ ክጠፍእ እዩ" ኢሉ።
ቅድም ክብል'ውን ኣብ ፔከሎንጋን ብተመሳሳሊ፡ እዞም ዓላቡ ንምቕላም ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ሕብርታት ከም ገለ እንተወጺኦም ኣብቲ ከባቢ ዝውሕዙ ሩባታት ሕብሮም ክቕይሩ ተራእዮም ይፈልጡ እዮም።
ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተመሳሳሊ ተርእዮ ካብቲ ከባቢ ዝጸብጸበ ኾይኑ፡ ብሰንኪ እቲ ፋብሪካ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሩባ፡ ብሩህ ሓምለዋይ ሕብሪ ሒዞም ከም ዝነበሩ ይዝረብ።
ኢንዶኒዥያ ብተደጋገሚ ብሓደጋ ዕልቕልቕ እትጥቃዕ ሃገር ኮይና ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ጃካርታ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ 43 ሰባት ምማቶም ዝዝከር እዩ።
እታ ሃገር ብ2013 ብኸቢድ ሓደጋ ካብ እትውቃዕ ንነጀው ከቢድ ዕልቕልቕ ንምክልኻል ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝረአዩ ደመናታት ናብ ዝናብ ከይቅየር ዝሕግዝ ከሜካላት ዝነጽጋ ነፈርቲ የዋፍሩ እዮም።