ኣብ ኤርትራ ቍጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 2000 በጺሑ

Published

ኣብ ኤርትራ ቍጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 2135 ከምዝበጽሐ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ካብዚኦም 1594 ሓውዮም ክፋነው እንከለው 534 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ ኤርትራ ዛጊት 7 ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለው። ትማሊ ጥራይ፡ ኣብ ዞባታት ጋሽ ባርካ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ኣብ ዝተገብረ መርመራታት 50 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ተረኺቦም።

ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝለዓለ መልከፈቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝግብ ጸኒሓ። ጠንቂ እቲ ምልባዕ ቫይረስ ግን ኣይተገልጸን ዘሎ።

ሕግታት ዕጽዋ ኤርትራ

ብ22 ታሕሳስ 2020 ብዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ኩለን ዞባታት ገጠራትን የስፋሕፍሕ ብምህለው ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ኣቲያ።

በቲ ዝወጽእ ሓደሽቲ ሕጋጋት መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ እንትርፎ ብዘይካ እቶም ክውንዘፉ ዘይክእሉ ብዝምልከቶም ኣካል ዝተፈቐዱ "ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ንጥፈታት" ኩሉ ምንቅሳቓሳት ደው ኢሉ ይርከብ።

ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሓደ ዓዲ/ከተማ፡ ናብ ካልእ ዓዲ/ከተማ ምንቅስቓስ ሰባት’ውን ክልኩል እዩ።ኣብ ኤርትራ፡ ካብ 02 ሚያዝያ 2020 ኣትሒዙ ዕጽዋ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሰብ ግዜ ስለዝነውሖ ነቲ ኣዋጃት በብቑሩብ ክስዕሮ ጸኒሑ'ዩ።

መንግስቲ ነቲ ኣዋጅ ዘፍኩስ ዝኾነ ምምሕያያሻት ናይ ሕጊ ስለዘይገበረ፡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዝርከብ፡ ገለ ካብ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ኣብ ኤርትራ ንዝሓለፈ ትሽዓት ኣዋርሕ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝህባ መካይን ካብ ኣገልግሎት ደው ስለዝበላ፡ ህዝቢ ካብን ናብን ክንቀሳቕስ ኣዝዩ ከምዝሽገር እዩ ዝግለጽ።

ንዝሓመሙ ናብ ሆስፒታል ንምውሳድ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ብዓረብያ (ካሮሳ) ወይ’ውን ተሰኪምካ ምውሳድ ምዃኑ ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

እቲ ኣብ ታሕሳስ ዝወጽኣ ኣዋጅ፡ ብዘይካ እቲ ምስ መዓልታዊ መነባባሮ ህዝቢ ዝተኣሳሰረ፡ ኩሉ ንግዳዊ ትካላት ተዓጽዩ ክጸንሕን፡ እቶም ክሰርሑ ዝፍቀዶም ትካላት ድማ ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ክዓጽዉን ይእዝዝ።

ምንቅስቓስ ናይ ውልቂ (ናእሽቱ) መካይንን ካልኦት ናይ ሰብ መጓዓዓዚ ተሽከርከርትን ብዝምልከት ድማ፡ ብዘይካ ብፍሉይ ፍቓድ፡ ደው ክብላ ብምባል ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣዋጅ ዳግማይ ኣትሪርዎ።

ኣብ ገጠር ኣብ ማሕረስን ምርባሕ ጥሪትን ካልእ ኣገዳሲ ልምዓታዊ ስራሕን ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ስርሖም ክቕጽሉ፡ ኣብ ትካላት መንግስቲ ከኣ "ካብ ኣገዳሲን ክውንዘፍ ዘይክእልን ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን መደባት ወጻኢ" ዝውቱር ስርሑን ዝህቦ ካልእ ኣገልግሎታትን ደው ኢሉ ይርከብ።

ግድነታዊ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት (ከም ቀብሪ፡ ሓዘን. . .) ብኣዝዩ ውሑድ ቊጽሪ ካብ 10 ብዘይበዝሑ ሰባት ጥራይ ይፍጸም።

እዚ ኣዋጅ ዕጽዋ ዘብቀዓሉ እዋን ብንጹር ኣይተገልጸን፡ እንተኾነ እቲ ኩነታት "እናተገምገመ" ክመሓየሽ ከምዝኽእል ተገሊጹ'ሎ።