ቤት ፍርዲ ዩጋንዳ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ቦቢ ዋይን ካብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ክወጽእ ኣዚዙ

ብቦቢ ዋይን ዝፍለጥ ኡጋንዳዊ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ሮበርት ኪያጉላንዪ ሰንታሙ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ቤት ፍርዲ ዩጋንዳ እቶም ገዛ ፖለቲከኛ ቦቢ ዋይን ከቢቦም ዝቐነዩ ሓይልታት ጸጥታ ከልግሱ ኣዚዙ፡፡

ኣብቲ ቅድሚ 11 መዓልቲታት ዝተኻየደ መረጻ ካልኣይ ዝወጸ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ቦቢ ዋይን፡ ካብ ሻቡ ክሳብ ሕጂ ካብቲ ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ገዝኡ ኣይወጸን፡፡

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጠበቓታት እቲ ፖለቲከኛ ፊርማ ድሕሪ ምትእኽኻቦም እዩ ነቲ ውሳነ ሂቡ ዘሎ፡፡

መንግስቲ ብወገኑ ሰልፊታት ተቓውሞ ከየዳሉ ብዝብል ናይ ገዛ እሱር ከምዝገበሮ እዩ ዝገልጽ፡፡

እቲ ቤት ፍርዲ ግና ማእሰር እቲ ፖለቲከኛ ዘይሕጋውን ውልቃዊ ናጽነቱ ዝጥሕስ ከምዝኾነን ብምግላጽ እቲ ክልከላ ከብቅዕ ወሲኑ ኣሎ፡፡

ኣብ ወፍሪ መረጻ እታ ሃገር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር እዩ፡፡

ቦቢ ዋይን፡ ነቲ ብኮምሽን መረጻ እታ ሃገር 35 ምኢታዊት ድምጺ ከምዝረኸበ ዝተገለጸሉ መረጻ ምትላላት ከምዝበሮ እዩ ዝዛረብ፡፡

ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር እቲ መረጻ ሰላማዊ ከምዝነበረ ይግለጽ እምበር፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ግን ስክፍታታት ከምዘለዎም እዮም ገሊጾም፡፡

ድሕሪ መረጻ ዩጋንዳ ብስልኪ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ወዲ 38 ዓመት ፖለቲከኛ ቦቢ ዋይን ‘‘ብዛዕባ ህይወተይን ህይወት በዓልቲ ቤተይን ተሻቒለ ኣለኹ’’ ኢሉ ነይሩ፡፡

ኣብ በሪ ገዝኡ ዓሪዶም ዝቐነዩ ወታሃደራትን ኣባላት ፖሊስን፡ ሰባት ናብ መንበሪ ገዛ እቲ ፍሉጥ ደራፋይ ዝነበረ ፖለቲከኛ ከይኣትዉን ከይወጽእን ከልኪሎም ከምዝቐነዩ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ ዩጋንዳ ሓቢራ፡፡

ካልኦት ብዙሓት ወታሃደራት እውን ነቲ ከባቢ ክኾልዎ ቀኒዮም፡፡

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ዩጋንዳ ብርጋዴር ፍላፊያ ብየክዋሶ፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከኽብሩ ምዃኖም ንቢቢሲ ተዛሪቡ’ሎ፡፡