ኣብ ጋምቤላ፡ "ደቂ 11ን 12ን ዓመት ሰገናት ተኣሲሮም ረኺብና" -ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት
Published

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዘሎ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ህፁፅ ቆላሕታ ከምዘድልዮ ገሊፁ።

እቲ ኮምሽን ሎሚመዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብቲ ክልል ኣታሕዛ እሱራት ክመሓየሽን ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ብነፃነት ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክኽበር ይግባእ ኢሉ።

እቲ ኮምሽን ኣብ ጋምቤላ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፡ ኣባላት ኦነግ ሸኔ ብዝብል ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ደቂ 11 ን 12 ዓመት ሰገናት ደቂተባዕትዮ ከምዝተዓዘበን፡ ኩነታቶም ከምዘሻቐሎምን ገሊፁ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰገናት መውቃዕቲ ተፈፂሙ እዩ ዝበለ እቲ ኮምሽን፡ ብቅልጡፍ ክፍትሑን እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈፀመ “መጥቃዕቲ” ክፃረይን፡ ንምምሕዳር እቲ ክልል ምሕታቱ ሓቢሩ።

እቲ ኮምሽን ብኣብዝሓ ተጋሩ ዝኾኑን ንህወሓት ደጊፍኩም ብዝብልን ጥርጣረ፡ ኣብ ከተማ ኣቦቦ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ 20፡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድማ፡ 70 ሰባት ተኣሲሮም ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እዞም ተጠርጠርቲ ካብ ዝሓለፈ 5 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ዝሓበረ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ብፖሊስ ፌደራል ኮነ ክልል ስራሕቲ ምርመራ ከምዘይተጀመረ ኣፍሊጡ።

እቶም ጥርጡራት ናይ ዋሕስ መሰሎም ክኽበርን፡ ፖሊስ ድማ ብቅልጡፍ ናይ ምርመራ ስርሑ ክጅመርን፡ ንምምሕዳር እቲ ከባቢ ከምዝሓተተ እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

እዚ መግለፂ ወግዓዊ ክሳብ ዝኾነሉ ግዘ፡ ብኦነግ ሸኔ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ኮነ ንህወሓት ደጊፍኩም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ውልቀሰባት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ እቲ ኮምሽን ገሊፁ።

ዋና ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር)፡ “ዋላ’ኳ ቆላሕታ መንግስቲ ጋምቤላ ዝጠልቡ ብዙሓት ጉዳያት ከምዘለዉ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ መሰል ዋሕስ እሱራት ህፃናት ምርግጋፅ ብጣዕሚ ዓብይ ትኹረት ዘድልዮ እዩ” ኢሉ።

ውድባት ተቓውሞ ኣ'ቲ ክልል

ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፡ ንተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ከምዘዘራረበ ዝሓበረ እቲ ኮምሽን፡ ዋላ’ኳ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ሰነድ ስነ ምግባር መረፃ እንተፈረሙ፡ ብነጻነት ክሰርሑ ከምዝተጸገሙ ምዝራቦም ኣብቲ ጸብጻቡ ኣካቲቱ።

ቤት ፅሕፈት መሰል ኣገልግሎትን ንምርካብ፣ ኣብ ፍሉይ ከባብታት እቲ ክልል ተንቀሳቒሶም ንምስራሕን፡ ናይ ውድቦም ምድላው ንምግባርን፡ ከምዝንከላበቱ፣ ኢሉ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣባላቶም መሐነይታን ምፍርራሕን ኢሉ’ውን ማእሰርቲ ከምዝተፈፀመ፡ ከምዝገለፅሎም እቲ ኮምሽን ሓቢሩ።

ኮምሽነር እቲ ኮምሽን ዳንኤል በቀለ፡ “ሃገራዊ መረፃ ይቐርብ ስለዘሎ፡ ነዚጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እቲ ክልልን ፌደራልን፡ ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ብሙሉእ ነፃነት ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክውሕሱ ይግባእ” ኢሉ።