ምሩፅ ፕረዝደንት ጆ ባይደን ንትእዛዝ ትራምፕ ብምስራዝ እገዳታት መገሻ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወሃቢት ቃል ምሩፅ ፕረዝደንት ጆ ባይደን፡ እቲ ብሰንኪ ለባዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣውሮጳን ብራዚልን ኣብ ዝግበር መገሻ ዝተነበረ እገዳታት ከምዝቕፅል ኣፍሊጣ።
ፅባሕ ስልጣን ዝርከብ ጆ ባይደን ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ፡ ተሰናባቲ ፕረዝደንት ትራምፕ እገዳታት መገሻ ንክለዓል ዘሕለፎ ውሳነ ብምጥሓስ እዩ።
መንግስቲ ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ካብ 26 ጥሪ 2021 ጀሚሩ፡ እቲ ተነቢሩ ዝፀንሐ እገዳታት መገሻ ከምዝለዓል ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተኾነ ወሃቢት ቃል ጆ ባይደን ጄን ፕሳኪ፡ እዚ እዋን፡ እገዳታት መገሻ ዝፎኽሰሉ ከምዘይኮነ ብመገዲ ትዊተር ሓቢራ።
ኣሜሪካ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ብዝብል፡ ናብ ኣውሮጳ ዝግበር መገሻታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት፤ ናብ ብራዚል ከኣ፡ ኣብ ወርሒ ጉንበት ምእጋዳ ይዝከር።
“ብመሰረት ሰብሞያ ጥዕና ዝሃቡና ማዕዳ፡ እዚ ሓድሽ ምምሕዳር፡ ንእገዳታት መገሻ ኣየልዕልን” ኢላ ጄን ፕሳኪ።
"ጥዕና ማሕበረሰብ ንምሕላው ዓብይ ትልሚ እዩ ዘለና" ዝበለት እታ ወሃቢት ቃል፡ "ለበዳታት ኮሮናቫይረስ ንምግታእ፡ ዓለምለኻዊ መገሻታት ክንቆፃፀር ኢና። ብፍላይ ድማ ሓደሽቲ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝረኣይሉ ኣብዚ እዋን፡ ዓለምለኸ መገሻታት ዝፎኽሱሉ ግዘ ኣይኮነን ” ክትብል ገሊጻ።
እታ ወሃቢት ቃል ነዚ መልእኽቲ ቅድሚ ምሕላፋ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ ናብ ኣውሮጳ፣ ዓባይ ቤሪጣንያ፣ ኣየርላንድን ብራዚልን ዝተገበረ እገዳ መገሻ ካብ 26 ጥሪ ጀሚሩ ንክለዓል፡ ናይ ተሰናባቲ ፕረዝደንት ትራምፕ መግለፂ ወግዓዊ ጌሩ ነይሩ።
ናብ ቻይናን ኢራንን ኣብ ዝግበር መገሻታት ዝተነበረ ማዕቐብ መገሻ ግን ከምዝቕፅል ወሲኹ ሓቢሩ።
ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣሜሪካ (ሲዲሲ) ብወገኑ፡ ካብ 26 ጥሪ ጀሚሩ ዝኾነ ናብ ኣሜሪካ ዝኣቱ ተጓዓዚ፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ነፃ ምዃኑ ዘርእይ ውፅኢት ከቕርብ ሓድሽ መመርሒ ኣውፂኡ ኣሎ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
