መረጻ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ካብ ቤተ መንግስቲ ክወጽእ ከምዝተዳለወ ኣአንፊቱ

ፕሬዝደንት ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ጆ ባይደን ዝመጽእ ፕረዚደንት ኣመሪካ ምዃኑ ብኢሎክቶራል ኮሌጅ እንተድኣተረጋጊጹ፡ ካብ ቤተ መንግስቲ ከም ዝወጽእ ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ብ3 ሕዳር 2020 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝበጽሖ ስዕረት ኣይቕበልን ኢሉ ኣብ ክትዕ እዩ ዝርከብ።

ብሓሙስ ውጽኢት እቲ መረጻ ንክትቕበሎ'ውን "ከቢድ" እዩ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ መረጻ፡ ብዘይ ዝኾነ መርትዖ ምትላል ተፈጺሙ'ዩ ዝብል ተደጋጋሚ ክሲ'ውን ከቕርብ ጸኒሑ።

ብሓሙስ ድምጺ እቲ ኢሎክቶራል ኮሌጅ እንድሕር ዘይረኺቡ ካብቲ ቤተ መንግስቲ ክትወጽእ ዲኻ ዝብል ሕቶ ቐሪብሉ።

"ብርግጽ፤ ክወጽእ'የ . . . ትፈልጡ'ውን ኢኹም" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

እንተኾነ፡ "እንድሕር ከምኡ ገይሮም [ጆ ባይደን]፣ እንድሕር ጌጋ ፈጺሞም፡ ኣቐዲሙ'ውን ዝተፈጸመ ምትላል ስለ ዘሎ ክትቕበሎ ዘጸግም እዩ ክኸውን" ኢሉ።

ኣብዚ ወርሒ ትራምፕን ደገፍቱን ኣብ ዙርያ እቲ መረጻ ክሲ እንተኣቕረቡ'ውን ኩሎም ክስታት ተነጺጎም።

ትራምፕ፡ ኣብ ቃለ-ማሕላ ጆ ባይደን ክርከብ ድዩ ኣይርከብን ዝብል ግን ዝሃቦ መልሲ የለን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ካብ ቤተ መንግስቲ ክወጽእ እየ ምባሉ፡ ጆ ባይደን፡ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ሓበሬታ ከምዝወሃቦን፡ ከምኡ'ውን ንመሰጋገሪ ዝሕግዞ ሚልዮናት ዶላራት ከምዝቕበልን ተገሊጹ።

ብመሰረት ስርዓት መረጻ ኣመሪካ፡ መረጽቲ ቐጻሊ ፕሬዝደንት ዝኸውን ሰብ ብቐጥታ ኣይኮኑን ዝመርጹ።

እኳ ድኣ 538 ሰብ መዚ ይመርጹ፤ እዚኦም ድማ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ይውዝዑ።

መረጽቲ ድማ፡ ኣብ ግዝኣቶም ብዝሒ ድምጺ ንዝረኸበ ተወዳዳሪ ይመርጹ።

ጆ ባይደን 306 ድምጺ ኢሎክቶራል ኮሌጅ ክረክብ እንከሎ፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ዝረኸቦ ድምጺ 232 እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ፕሬዝደንት ኮይኑ ዝምረጽ 270 ድምጺ ዘድልዮ ኮይኑ፡ ጆ ባይደን ኣብ ታሪኽ መረጻ ኣመሪካ እቲ ዝበዝሐ ዝተባህለ ድምጺ መረጽቲ'ዩ ረኺቡ፤ 20 ጥሪ 2021 ድማ ቃለ መሓላ ክፍጽም እዩ።