ኦነግ፡ "ኣብ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ዘላቒ ፍታሕ ንክመጽእ ክቃለስ'የ"

ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ
Published

ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሰልፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ኣቶ ዳውድ ኢብሳ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኦሮሚያ ብዘለዋ ታሪካዊ ድሕረ ባይታ ተሞርኲስና፡ ናይ ኦሮሚያ ምዃና ንምርግጋጽ ክንቃለስ ኢና ኢሉ።

ኣመራርሓ እቲ ሰልፍን ኣመራርሓ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን [ኦፌኮ]፡ ሎሚ መዓልቲ ምስ ነበርቲ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዙርያ ምርጫን ካልኦት ፖለቲካዊ ጉዳያትን ብሓበር ዘትዮም።

ኣቶ ዳውድ፡ ኦነግ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ምስ ህዝቢ ብሓባር ይሰርሕ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ግን ኣባላቱ ከም ዝተኣሰርዎ ገሊጹ።

"ኮይኑ ግን፡ ሕጂ'ውን ህዝብና ንዲሞክራሲያዊ ምርጫ ክምዝገብ ኣለዎ፤ ዝደልዮ ሰልፊ'ውን ክመርጽ ይግባእ። እቲ ሃገራዊ ምርጫ ሰለማዊ ኮይኑ ንክዛዘም ድማ እጃሙ ከበርክት ኣለዎ" ኢሉ።

ኣዲስ ኣበባ ናይ ኦሮሚያ'ያ ኣይኮነትን ዝብል ውጥጥ ንምህዳእ ድማ፡ "ዘላቂ ፍታሕ ንክመጽእ" እቲ ግንባር ከም ዝቃለስ ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኦነግ ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞን ኣብቲ ክልል ናይ ዝርከቡ ካልኦት ህዝብታትን ንምኽባር ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝተዛረበ ኣቶ ዳውድ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ካልኦት 10 ሰልፊታት ሓበራዊ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝተፈራረመ ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ መድረክ ዘተ ዝተረኸበ ፈጻሚ ስራሕ ኦፌኮ ኣቶ ተስፋዬ ፉፋ ብወገኑ፡ ቃልስና ኣፋፍኖት ኣርእዩ እምበር ኣይተዛዘመን፤ ብዙሕ ይተርፈና'ዩ ኢሉ።

"መናእሰይ ኦሮሞ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ዝካየድ ምርጫ ፍትሓዊ ኮይኑ ክዛዘም ክትሰርሑ ይግባእ። ክልቲኤና ውድባት ድማ ንክንወሃሃድ ኣብ ዘተ ኣለና፤ ጽቡቅ ብስራት ንህዝብና ሒዝና ከምእንመጽእ ተስፋ ንገብር" ኢሉ።

ዘተ ኦነግ ኣብ ኣዳማ
ተሳተፍቲ መድረኽ ዘተ

ኣብ ዝተፈላዩ እዋናት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝፍጠሩ ግጭታትን፤ ሞት ውልቀሰባት 'ብሽም ኦነግ ዝንቀሳቐስ ኣካል' ዝፍጸሙ'ዮም ተባሂሉ ክኽሰስ ምጽንሑ ይፍለጥ።