እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣገልግሎት ሳተላይት፡ ንምምዕባል ሕርሻ ዝተጠቕመትሉ ኡጋንዳዊት ሳይንቲስት ናሳ
ኡጋንዳዊት ካትሪን ናካልምበ፡ ንጸወታ ባድሚንተን ክቱር ፍቕሪ ስለዝነበራ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስፖርት-ሳይንስ እያ ከተጽንዕ ትደሊ ነይራ።
እንተኾነ ግን፡ ናብ'ቲ ዓውዲ ትምህርቲ ዘእትዋ እኹል ነጥቢ ስለዘይረኸበት፡ ናብቲ ብናሳ ሽልማት ዝረኸበትሉ ዓውደ ምርምር መግብን ሕርሻን ክተዝምብል ከምዝተገደደት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፓርስቲ አቱሃየር ጽሒፋ ኣላ።
ዶክተር ናካሌምቤ፡ ሓደ እዋን ንሓደ ሓረስታይ፡ ካብ ምድሪ ኣማኢት ኪሎ ሜተር ብዝርሕቀቱ መሳርሒ ሳተላይት ዝተሳእለ ስእልታት ብኸመይ ምስ'ቲ ንእሽቶ ግራቱ ከም ዝዛመድ ክትገልጸሉ ምስ ጀመረት ስሒቑዋ።
ካትሪን፡ መንግስታት፡ በቲ ልዑል ጽሬት ዘለዎ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ኣሳእል ተጠቒሞም ብኸመይ ንሓረስቶቶም ክሕግዙዎም ከምዘለዎም እያ ትመክርን ትጽዕርን።
ንሳ ነቲ ካብ ርሑቕ ኪሎሜትራት ካብ ሳተላይት ዝተሳእለ ኣሳእል ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሕርሻ ቃጽዖታት ብምንጽጻር መንግስታት ቅኑዕ ሓበሬታ ተጠቒሞም ንሓረስቶት ክሕግዙ ተማኽርን ትመርሕን።
እቲ ብሳተላይት ዝለዓል ኣሳእል ሳዕርን አእኻልን ከለሊ ስለዝጽገም፡ ነቲ ልዑል ንጻረ ዘለዎ ስእልታት ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ብምንጽጻር፡ መንግስታትን ሓረስቶትን ዝሓሸ ውሳኔ ንክህልዎም እቲ ዝኣከበቶ ዳታ ንዝምልከቶም ተረድእ።
ነቲ ሓረስታይ “ብኣተርጓማይ ገይረ ሓበሬታ ክወስድ እንከለኹ ቀጠልያ ከምዝርኢ፡ እንተኾነ ሳዕሪ ድዩ እኽሊ ንኸጻሪ ብኣካል ኣብቲ ቃጽዖታት ክበጽሕ ከምዘለኒ ኣረዲአዮ” ትብል ዶክተር ናካላምበ።
ነቲ ስእሊ እውን አሕቲማ ኣርእያቶ። በዚ ከኣ፡ “ፍልልያትን ምምስሳልን እቲ ብሳተላይት ዝለዓል ኣሳእል ንምፍላጥ ነቲ ቦታ ብኣካል ምርኣይ ከምዘድሊ ክርዳእ ክኢሉ” ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
ንሳ ኣብ'ቲ ኣዝዩ ውዑይ ሓውሲ ምድረ በዳ ገጠራት ካራሞጃ እናተመላለሰት ሓረስቶት ንምሕጋዝ እትሰርሕ ትሕትቲ ዶክተር እያ።
ንፍልልይን ምምስሳልን እቲ ናይ ሳተላይት ዳታ ንምንጽጻር ከኣ እያ ናብቲ ጸጸር ዝመልኦ ነዊሕ ሰዓታት ጉዕዞ ዝወስደላ ቆላ ብቐጻሊ ትመላለስ።
በዚ ከኣ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተፈላለዩ ኣዝርእቲ ዝሓርሱ ወነንቲ ናእሽቱ ቃጽዖታትን ነቶም ንምዕባለ ሓረስቶት ዝከታተሉ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ሓገዝ ትህብ።
ኣብ ዩኒቨርስት መሪላንድ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ክፍሊ ጂኦግራፍያውን ስነ-ፍልጠታውን ተሓጋጋዚት ፕሮፈሰር ዝኾነት ዶክተር ናካሌምቤ፡ ነቲ ናይ ሳተላይት ሓበሬታ ምስቲ ካብ መሬት ዝተኣከበ ናይ ኣዝርእቲ ዳታ ብምውህሃድን፡ ሕርሻዊ ኩነታት ብፍልጠት ክልለን ጭቡጥ ትንቢት ክወሃብን ትሕግዝ።
በዚ ዝተገልጸ ጻዕርን ስራሕን ከኣ እያ ምስቲ ተመራማሪ ድኹዒ ቡርኪናፋሳዊ ዶክተር ኣንድረያ ባቲዮኖ ኣብ 2020 ካብ ኣፍሪቃ ፉድ ፕራይዝ ሽልማት፡ ጻማ ጻዕራ ዝረኸበት።
እቲ ናይ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክፍሊ ናሳ ናይ መግብን ሕርሻን መደባት ዝመርሕ ሳይንቲስት፡ “ካብ ጠፈር ኣየናይ ከባቢ ከም ዝለምዐን፡ ጥርሑ ግርሁን፡ ሕርሻ ወይ ከኣ ማይ ከም ዘለዎን ቦታ ክትርኢ ትኽእል” ብምባል ይገልጽ።
“ሕጂ ኣብ ገጠራት ንዝነብሩ ንምሉእ ዕድመኦም ዝኸውን ናይ 30 ዓመታት መዝገብ ስለዘለና፡ ዝለምዐ ሕርሻን ጫካን ፈላሊና ክንርኢ ንኽእል። ምኽንያቱ ኣዝርእቲ ዘለዎ ጥዑይን ሕማቕን፡ ዝተመሓየሸን መሬት እንታይ ከም ዝመስልን፡ ኣየናይ ምዃኑን ክንነገር ንኽእል” ይብል።
እዚ ዓይነት ኣገባብ ከኣ፡ ኣብ ቦታታት ናይ ሕቡራት መንግስታ ኣሜሪካ፡ ብማሽነሪታት ዝካየድ ሕርሻ ብደረጃ ኢንዱስትሪታት ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ሓበሬታ መዓስ ክትሓርስ ከም ዘለካን ማዕረ ክንደይ ድኹዒ ክትጥቀም ከም ዘለካን ውሳኔ ኣብ ምውሳድ ይሕግዝ።
ከምኡ’ውን ኣብ ኡጋንዳ ይኹን ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለምና ዝርከቡ፡ ኣብታ ንእሽቶ ቃጽዖ ብኣፍራዛ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሰርሑ ሓረስቶት እዚ ሓበሬታ ኣዝዩ ክጠቕሞም እዩ።
“በቲ ዝተኣከበ ዳታ ጌርካ ፍርያትን ምህርትን እዋን ዓጺድን ብርሑቕ ክትከታተል ትኽእል፡ ግምታትካ ክትህብ ትኽእል፡ ናይ ሳተላዪት ግምታት ብዝናብን ምቖትን ኣወሃሂድካ፡ ኣብ ዝመጽእ 10 መዓልታት ዝናብ ክዘንብ እዩ ብምባል ሓረስቶት ግራውቶም ንዘርኢ ንኽቕርቡ ክትነግር ትኽእል። ዝናብ እንተዘይዘነበ እውን ዘርኦም ከየባኸኑ ንቁሩብ ሳምንታት ክጸንሑ ይኽእሉ” ትብል ዶክተር ናካሌምቤ።
ኣብዛ ሓረስቶት ናእሽቱ ቃጽዖታት ዝውንኑላ ካብ ምዕባለ ዓለም ኣዝዮም ርሒቆምላ ዝርከቡ ክፍለ ዓለም፡ እዚ ዳታ በብከባቢኡ ክትርጎም ወይ ከኣ ብናይ ጽሑፍ መልእኽትታትን፡ መደባት ሬድዮን ወይ ከኣ በቶም ናይ ሕርሻ ሰራሕተኛታት ክመሓላለፍ ኣለዎ።
ብተወሳኺ፡ መንግስታት ንግዜ ሓደጋ ከመይ ገይሮም ከም ዝገጥምዎን፡ ናይ ኣዝርእቲ ክሳራ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ፡ ወይ ዘራእቲ ብውሕጅ እንተተደምሲሱን ንማሕበረ ኮማት ካብ ዓጸቦ ብኸመይ ከም ዘድሕንዎን ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም።
ዶርክተር ናካሌምቤ፡ ኣቐድም ኣቢላ ብዝገበረቶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ካራሞጃ፡ ኡጋንዳ፡ 84,000 ህዝቢ ካብ ብርቱዕ ለውጢ ክሊማን ዋሕዲ ዝናብን ካብ ዘስዕቦም ጠንቅታት ንክእለዩ ኣኽኢላቶም እያ።
“ንሳ ኣብ 2016 ኣጋጣሚታት ናይ ደርቂ ክንበዩ ዘኽእሉ መሳርሒታት ኣብ ምምዕባል ምሳና ሰሪሓ” ትብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ምክልኻል ዕንወትን ሓደጋታትን እትሰርሕ ስተላ ሰንገንዶ።
ነዚ፡ ክንደይ ዝኾና ስድራ ቤታት በዚ ድርቂ ክጥቅዓ ከም ዝኽእላ ኣብ ምግማት ንጥቀመሉ፡ ድማ ትብል።
ሰንጌንዶ “ነበርቲ ኣብ ግዜ ደርቂ ህዝባዊ ስራሓት እናሰርሑ ገንዘብ ይረኽቡ። ንመዓልታዊ ሃልኪ 70% ክጥቀሙ እንከለዉ፡ 30% ከኣ ይዕቅቡ” ብምባል ገሊጻ።
እቶም ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ ዝሕረስ ዞባታት ዝርከቡ ስድራ ቤታት 5,500 ናይ ዩጋንዳ ሺሊንግ ወይ ($1.50, €1.12) እዮም መዓልታዊት ህይወቶም ዝኣልዩ።
ሃንደበታዊ ከባብያዊ ስነ-ፍልጠት
ኣብ ካምፓላ ቤት መግቢ ካብ እተካይድ ኣደን፡ መካኒክ ካብ ዝሰርሕ ኣቦን ተወሊዳ ኣብ'ታ ርእሰ ከተማ ዝዓበየት ዶክተር ናካሌምቤ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ናይ ሳተላዪት ስራሕ ክሰርሕ እየ ኢላ ሓሲባቶ ኣይትፈልጥን።
ምስ አሕዋታ ባድመንቶን እትጻወት ዝነበረት ብስነ ፍልጠት ናይ እስፖርት ዲግሪ ክህልዋ ትደሊ እኳ እንተነበረት፡ እቲ መንግስቲ ዝጠልቦ እኹል ነጥቢ ስለዘይረኸበት ግን ኣብ ማከሬሬ ዩኒቭርስቲ ኣከባብያዊ ስነ-ፍልጠት ክተጽንዕ ተገዲዳ።
ብዘይካ ኣብቲ ናይ ምትእኽኻብ ስድራ ቤታት ካብ ካምፓላ ወጺኣ ዘይትፈልጥ ብምዃና፡ ነቲ ትምህርታ ሓገዝ ክኾና ምስ ናይ ኡጋንዳ ዋይልድ ላይፍ ኦውቶሪቲ ክሰርሕ ሓቲታ።
“መስርሕ ካርታ መሲጡኒ። ኣብ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ማውንት ኤልጎን ከይደ። ኣዝዩ መሳጢ ስለዝነበረ ክሳብ ሕጂ ናይቲ መጀመርያ ንኣገልግሎት ዝወጻእኩዎ ስእልታት ኣለኒ” ትብል ፍሽኽ እናበለት።
ካትሪን ናካሌምቤ ኩሉ ግዜ ዝብሎ ኣበሃህላ ኣለኒ ትብል። “ፍልጠት ቀሲምካ፡ ኣብ ዓድኻ ምስራሕ ዝመስሉዎ የሎን”።
እታ ናይ ናሳ ሳይንቲስት፡ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ንመንግስታውያን ክፍልታት ኣብ ምምዕባል መደባት ውሕስነት መግቢ ስልጠና ትህብ።
ብጂኦግራፍን ኣከባብያዊ ኢንጂነሪንግን ናይ ማስተርስ መጽናዕቲ ክትቅጽል ናብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስት ከይዳ።
“እቲ ኣብ ሜሪላንድ ዪኒቨርስት ዝገበርኩዎ ናይ ሊቅነት (ፒኤችዲ) ፕሮግራም ኣብቲ ናይ ርሑቕ ምድህሳስን፡ ብዝያዳ ከኣ ኣብ ኡጋንዳን ኣብ መላእ ክፍለ ዓለምን ክሰርሕ ሓጊዙኒ።” ትብል።
እታ ተመራማሪት፡ ንመንእሰያት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ኣከባብያዊ ስነ-ፍልጠት ክዋስኣ ብማለት ኣብ ምምሃረን ትነጣጠፍ።
“ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝግበሩ ኣኼባታት ክኸይድ እንከለኹ ኣነ ጥራሕ እየ ጸላም ኣፍሪቃዊት። እዚ ከኣ ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ጠፈር በይናውነት ከም ዝስምዓካ ይገብረካ።” ትብል።
“ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ተመኩሮታትናን ቃልስታትናን ክንካፈሎ እንኽእል ብዙሓት ሰባት ረኺበ። ኣብዚ ጉጅለ እዚ ከኣ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክርኢ ደስ ይብለኒ” ትብል እታ ሓረስቶት ንምሕጋዝ ኣንቂዳ ዝተላዕለት ዶክተር።
ዶክተር ናካለምበ፡ ኣብ መስከረም 2020 ሽልማት ኣፍሪካን ፉድ ፕራይዝ ከም ዝተዓወተት ብስልኪ ከም ዝተሓበራ ገሊጻ። ንሳ ሕጽይቲ ከም ዝነበረት ትፈልጥ ከም ዘይነበረትን፡ ብጾታ ግን ስለምንታይ ንቴሌፎና ከም እትዓጽዎ ደጋጊሞም ይሓትዋ ከም ዝነበሩን ገሊጻ።
ኣብ መወዳእታ ምስ ተደወለላ፡ ምስ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ክትዘራረብ ተሓቲታ።
ቅድሚ እቲ መስመር ምቁራጹ ከኣ እንቋዕ ሓጎሰኪ ክብል ሓጎሱ ገሊጹላ። “እዚ ከኣ፡ ልክዕ ርእስኻ ሓሚምካ ናብ ሆስፒታል ምስ ከድካ ነብሰ-ጾር ኢኺ ክትበሃል እንከለኻ ዓይነት እዩ” ትብል።
“ንስድራይ ምስ ደወልኩሎም፡ ሓፍተይ፡ ትላገጸላይ ዘላ መሲሉኒ። ኣደይ ከኣ ከምቲ ኩሉ ግዜ፡ ገለ ነገር ምስ ተዓወትኩ እትብሎ፡ ብቋንቋ ናይ ሉጋንዳ ገይራ ‘ወባለ ኩሶማ’ (‘ኣበርቲዕኪ ስለዘጽናዕኪ የቀንየለይ’) ኢላትኒ ብብሩህ ፍሽኽታ። ዘገርም እዩ፡ ሕጂ ኣነ ናይ ዊኪፒድያ ገጽ ኣለኒ" ትብል።
ኣብዚ እዋን እዚ ንነብሰይ ከላልያ እንከለኹ፡ “ከምኡ’ውን ናይ 2020 ኣፍሪካን ፉድ ፕራይዝ ላውሬት” እየ ብምባል ከፋልጣ ከም ዘለኒ ይዝክር እየ። ከምኡ’ውን 5 ኪሎ ግራም ዝኽብደቱ ዓቢ ዓወት ረኺበ እየ። ስለዚ ይሓልም ኣይኮንኩን ዘለኹ” ኢላ ብምጭራቕ ዘረባኣ ደምዲማ ዩጋንዳዊት ዶክተር ናካለምበ።