ትራምፕ ባይቶ ኣመሪካ ብኮሮናቫይረስ ኣሳቢቡ ‘ዘየድሊ’ ወጻኢታት ካብ ምግባር ክቁጠብ ተማሕጺኑ

Published

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብነደፍቲ ሕጊ እታ ሃገር: ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝተሃስዩ ኣመሪካውያን ‘ንመንቓቕሒ’ ክውሃብ ዝተሓሰበ ሰልዲ ናብ 2000 ዶላር ክብ ክብል ባይቶ ኣመሪካ ምምሕያሻት ክገብረሉ ሓቲቱ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብቪድዮ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ መልእኽቲ፡ ነቶም ነደፍቲ ሕጊ “ነቲ ዘየድልን ሰልዲ ዘባኽንን ነጥብታት እለይዎ፡ ብሓቒ ዘሕንኽ’ዩ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “እዚ ብኮቪድ ንዝተሃሰዩ ሩፍታ ንኽፈጥር ተባሂሉ እዩ ተነዲፉ፡ ምስ ኮቪድ ግን ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ዘራኽብ የብሉን” ኢሉ።

እቲ ብነደፍቲ ሕጊ ዝቐረበ ሓፈሻዊ መጠን ገንዘብ 900 ቢልዮን ዶላር ኮይኑ፡ ካብ'ዚ ንዝብዝሑ ኣመሪካውያን 600 ዶላር ክውሃብ ዝብል ይርከቦ።

ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ እዚ መጠን ናብ 2000 ዶላር ክብ ክብል ኣለዎ እዩ ዝብል።

20 ጥሪ ስልጣኑ ንምሩጽ ፕረዚደንት ዘረክብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ብነደፍቲ ሕጊ እታ ሃገር ተነዲፉ ብሰኑይ ብባይቶ ኣመሪካ ተቐባልነት ዝረኸበ ሓሳብ ክታሙ ከንብረሉ እዩ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እንታይ’ዩ ኢሉ?

እቲ ክሰላዕ ኣለዎ ተባሂሉ ዝቐረበ 900 ቢልዮን ዶላር፡ ገለ ክፍሉ ንካልኦት ሃገራት ዝውዕል ሓገዛት'ውን ዝሓዘ እዩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ናብራ ዝቓለሱ ዘለዉ ኣመሪካውያን ክውዕል ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ “85.5 ሚልዮን ዶላር ንካምቦድያ፡134 ሚልዮን ዶላር ንቡርማ፡ 1.3 ቢልዮን ዶላር ንግብጽን ንምክልኻል ግብጽን እዚ ኸኣ እቲ ሰልዲ ካባና ወጺኡ ካብ ሩስያ’ዩ ወተሃደራዊ ንብረት ክዕደጎ፡ 25 ሚልዮን ንፓኪስታን፡ 505 ሚልዮን ዶላር ንበሊዘ፡ ኮስታሪካ፡ ኢልሳልቫዶር፡ ጎቲማላን፡ ሁንድራስ፡ ኒኳራጉዋን ፓናማን ዝብል ኣለዎ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “እቲ ገና ዘይተኸፈተ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ‘ኬኔዲ ሰንተር’ ዝብሃል ማእከል ስነጥበብ 40 ሚልዮን ዶላር ንምንታይ እዩ ተሰሊዕሉ?” ኢሉ ብምሕታት፡ ንኣብያተ መዘክር ብሓፈሻ 1 ቢልዮን ዶላር ከምዝተሰለዐን ኣገዳሲ ከምዘይኮነን ይዛረብ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መልእኽቱ “ባይቶ ኣመሪካ ንሃገራት ወጻኢ ዝኸውን ክንድዚ ዝኣክል ሰልዲ? ነቶም ብሰንኪ ቻይና ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣመሪካውያን ግን ዝውሓደ ሰልዲ እዩ ሰሊዕሎም” ይብል።

“ኣነ ንባይቶ ኣመሪካ ነቲ መነቓቕሒ ክንዲ 600 ዶላር ዝኸውን 2000 ዶላር፡ ንመጻምድቲ ከኣ 4000 ዶላር ክኸውን ኣለዎ እየ ዝብል፡ ካብ'ዚ ብተወሳኺ እቲ ባይቶ ነቲ ዘየድሊ ወጻኢታት ኣልዩ እቲ ጽፉፍ ዝበሎ ውዱእ ወረቐት ይስደደለይ” ኢሉ።

እቲ ብነደፍቲ ሕጊ ዝቐረበ ‘መነቃቕሒ’ እንታይ ድዩ ዝብል?

ክልቲኦም ሰልፍታት ኣመሪካ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ነቶም ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰዩ ንምንቕቓሕ ኣብ ዝብል ዘዕባ ክላዘብሉ ጸኒሖም’ዮም።

ብሰኑይ ምሸት ኸኣ 5593 ገጽ ንዘለዎ እማመ ድሕሪ ስዓታት ዝወሰደ ክትዕ ብኣባላት ባይቶ ተቐባልነት ረኺቡ።

ብዙሓት ካብቶም ኣባላት ባይቶ ነቲ ምሉእ ጽሑፍ ንኸንበብዎ እኹል ግዜ ከምዘይተውሃቦም እኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ 359 ደገፍ ብ 53 ተቃውሞ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሰኔት 92 ደገፍ ብ6 ተቃውሞን ክጸድቕ ክኢሉ እዩ።

እቲ ጽሑፍ ንልዕሊ ፍርቂ ኣመሪካውያን 600 ዶላር ክውሃቦም ዝብል ዝርከቦ ኮይኑ፡ ስራሕ ንዘይብሎም ን11 ሰሙን፡ ሰሙናዊ 300 ዶላር ክውሃቦም ዝብል’ውን ይርከቦ።

ብሓፈሻ ኸኣ 900 ቢልዮን ዶላር ዝጠልብ እዩ።

ጆ ባይደንከ እንታይ በለ?

ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ዝብሃል ዘሎ ውሑድ ብምዃኑ ወግዓዊ ስርሑ ምስ ጀመረ ካልእ መነቓቕሒ ንክውሃብ ንሓገግቲ ኣካላት ሕቶ ከምዘቕርብ ሓቢሩ ኣሎ።

ንሱ ብምስዓብ “ኮንግረስ ዝግበኦም ሰሪሖም ኣለዉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ተመሳሳሊ ደገፍ ንኽውሃብ ክሓቶም’የ” ኢሉ።

ኣፈ ጉባኤ ዲሞክራትስ ናንሲ ፖሎሲ ብዙሕ ግዜ እኳ ኣንጻር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እንተኾነት፡ ነቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንነብሲ ወከፍ ኣመሪካዊ ልዕሊ 2000 ዶላር ክውሃብ ኣለ ዝበሎ ግን ምስቲ ነጥቢ ከምእትሰማማዕ ገሊጻ።