እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይ 5 ወርሒ መሃያ ከይተኸፈሎ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ መንእሰይ ዶክተር
ዶክተር ስቴፈን ሞጉሱ ወዲ 28 ዓመት ኬንያዊ ዶክተር እዩ። ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ከይተኸፈሎ ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞተ ማሕበር ዶካትር እታ ሃገር ኣፍሊጡ’ሎ።
ስቴፈን መድሕን (ኢንሹራንስ) ጥዕና ስለዘይነበሮ ወጻእታት ሕክምንኡ ንምሽፋን ብኦንላይን ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ክካየደሉ ጸኒሑ’ሎ።
ኣብ ሆስፒታል ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ክትትል ናብ ዝግበረሉ ክፍሊ ኣትዩ ይሕከም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ወጻእታቱ ክሽፍኑ ዘይከኣሉ ወለዱ እዮም ነቲ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ብኦንላይን ዝጀመርዎ።
ማሕበር ዶካትር ኬንያ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ነቲ ንሱ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ዘይምጥን ተግባር ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ናይታ ዶክተር ስቴፈን ዝሰርሓላ ዝነበረት ግዝኣት ማቻኮስ፤ ንሱ በቲ መንግስቲ እታ ሃገር ዘመሓድሮ መደብ ጥዕና ከምዝተቖጸረ ገሊጹ።
“እቲ ዝቖጸሮ መንግስቲ ንኣዋርሕ መሃይኡ ክኸፍሎ ዘይምኽኣሉ ግቡእ ኣይኮነን” ኢሉ ኣመሓዳሪ ኣልፍረድ ሙቱዋ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ።
ስቴፈን ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኑ “ዕዳኹም [ንዝተምሃሩሉ ዝኽፈል] ክትመልሱ ኣብ ዝኸኣልኩምሉ እዋን ከፊልኩም ውጽኡ። ምኽንያቱ ብወገን መንግስቲ ዘሎ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ንህይወትኩም ዝምጥን ኣይኮነን” ክብል ናይ መወዳእታ ቃሉ ከምዝሃበ መርሲ ኮሪሪ ዝተበሃለት ኬንያዊት ዶክተር ብትዊተር ሓቢራ’ላ።
ዶካትር ኬንያ መሃይኦም ትሑት ምዃኑ ብምግላጽ፣ ኣብ እዋን ምክልኻል ለብዒ ኮሮናቫይረስ ዝጥቀሙሉም ናውቲ ሕጽረት ብምህላዉን እኹል ከምዘይኮነ ብዝገልጽዎ ናይ ጥዕና መድሕንን ተቓውሞ የስምዑ ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣስታት 30 ሽሕ ነርስታትን ካልኦት ሰብሞያ ጥዕናን እታ ሃገር ኣብ ተቐውሞ ይርከቡ።
ናይቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ማሕበራት ከምዘፍለጥኦ ድማ ንሕቶታቶም መልሲ ክሳብ ዘይረኸቡ ናብ ስራሕ ኣይክምለሱን።
ኣብ ኬንያ ልዕሊ 500 ሰራሕተኛታት ጥዕና ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ፤ 30 ከምዝሞቱ ይግለጽ።
ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 88 ሽሕ ብቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ልዕሊ 1500 ከምዝሞቱን ጸብጻባት የመልክቱ።