እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆ ባይደን ኣብ ጥሮታ ንዝነበረ ጀነራል ዋና ጽሓፊ ምክልኻል ገይሩ መዚዝዎ
ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይድን፡ ጥሮታ ወጺኡ ንዝነበረ ጀነራል ልሎይድ ኦስቲን ዋና ጸሓፊ ምክልኻል ገይሩ ከምዝመረጾ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣቓሊሐን።
ወዲ 67 ዓመት ጀነራል ኦስቲን፡ ንቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ [ፔንታጎን] ንኸመሓድር ዝተመረጸ ቀዳማይ ጸሊም ኣመሪካዊ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።
ጀነራል ኦስቶን ኣብ ግዜ ፕረዚደንትነት ባራክ ኦባማ ዋና ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጥሮታ ካብ ዝወጽእ ትሕቲ ሸውዓተ ዓመት ስለዝገበረ እዚ ተሓጽይዎ ዘሎ ሽመት ንኽጸድቀሉ ኣብ ባይቶ ዝኾነ ጸገም ከጓንፎ ከምዘይክእል እዩ ዝግመት።
ጆ ባይደን፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ዝመዝዝ ከልተ ሰሙን ድሕሪ ምግባሩ እዩ፡ ንጀነራል ኦስቲን ዋና ጽሓፊ ምክልኻል ገይሩ ሸይምዎ ዘሎ።
ብዛዕባ እዚ፡ ጀነራል ኦስቲን ይኹን ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክሳብ ሕጂ ዝሃብዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ኣቐድም ኣቢለን መራኸብቲ ብዙሃን፡ ጆ ባይደን ኣብ ፔንታጎን ነዊሕ ንዝሰረሐት ሚቸል ፍላወርኖይ ዋና ጽሓፊት ምክልኻል ገይሩ ክሸማ ይኽእል እዩ ብምባል፡ ሚቸል ፍላወርኖይ፡ ኣብ ኣመሪካ ናብ መዝነት ዋና ጽሓፊት ምክልኻል ዝበጽሓት ቀዳመይተ ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን እያ ኢለን ነይረን እየን።
ንዲሞክራትስ ወኪሉ ዝተወዳደረ ጆ ባይደን ኣብቲ ኣብ 3 ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስለዝሰዓሮ ብመሰረት ቅዋም ኣመሪካ 20 ጥሪ ቃለ መሓላ ክፍጽም እዩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስዕረቱ ምቕባል ብምእባይ፡ መርትዖታት ዘይብሉ ክስታት ብምቕራብ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ መረጻ ምጥፍፋእ ከምዝነበረ እዩ ዝዛረብ።
ጀነራል ኦስቲን መን’ዩ?
ፖሎቲኮ ዝተብሃለት ማዕከን ዜና፡ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝበሎም ሰለስተ ሰባት ብምጥቃስ፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንጀነራል ኦስቲን ዋና ጽሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ገይሩ ከምዝመዘዞ ኣቃሊሓ።
እታ መደበር ዜና፡ ምንጭታታ ብምጥቃስ፡ ጀነራል ኦስቲን ኣብ መጀመርታ ስሙ ከም መሐለውታ ተባሂሉ እኳ ተሮቊሑ እንተነበረ ኣብ መወዳእታ ግን ንሱ ክምረጽ ከምዝኸኣለ ገሊጻ።
መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነት ሲቢኤስ ብወገና ንምምዛዝ ጀነራል ኦስቲን ብቐረባ ዝፈልጡ ብዙሓት ሰባት ብምጥቃስ ነቲ ዜና ኣብ ገጻታ ኣስፊራቶ።
ሲቢኤስ፡ ከም ዝሓበረቶ፡ ጆ ባይደን ነቲ ካብ ኣመሪካውያን ኤስያውያን፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ከምኡ’ውን ላቲኖ ዝኾኑ መረጽቱ ዝቐርበሉ ዝነበረ ጠለባት ንምምላእ ነቲ ጸሊም ኣመሪካዊ ጀነራል ኦስቲን ናብዚ መዝነት እዚ ክሮቑሖ ከምዝኽኣለ ገሊጻ።
ሲኤንኤን ብወገና፡ ጆ ባይደን ንጀነራል ኦስቲን ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ነዚ መዝነት እዚ ከምዝሮቆሖን ጀነራል ኦስቲን’ውን ከምዝተሰማመዐን ገሊጻ።
እዚ ወናኒ ኣርባዕቲ ኮኾብ ዝኾነ ጀነራል ካብ 2013 ክሳብ 2016 ንማእከላይ ምብራቕ፡ ማእከላይን ደቡብ ኤስያን ንዝሓቁፍ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣዛዚኡ ኮይኑ ሰሪሑ።
ቅድምኡ’ውን ምክትል ሓላቃ ስታፍ ምክልኻል ኮይኑን ናይ መወዳእታ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኢራቅ ኮይኑ ዝሰረሐ እዩ።
ኣብቲ እዋን ጆ ባይደን ምክትል ፕረዚደንት ስለዝነበረ ጥቡቕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ምርኻብ ነይርዎም እዩ።