ኣብ ህንዲ እንታይነቱ ብዘይተፈለጠ ሕማም 227 ሰባት ብጽኑዕ እንትሓሙ፡ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ሞይቱ

Published

ኣብ ህንዲ ጠንቁ ብዘይተፈለጠ ሕማም 227 ሰባት ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ እንከለዉ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ሰብ-መዚ ህንዲ ናይቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ክድቅሱ ምኽንያት ዝኾነ ዘይተፈለጠ ሕማም፡ ጠንቁ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ መርመራታት ይካየድ ምህላዉ ገሊጾም።

እቲ ኣብ ዞባ ኣንድራ ፕራዲሽ፡ ኢሉሪ ኣብ ዝብሃል ዝተረኣየ ዘይተፈለጠ ሕማም፡ እቶም ዝሓመሙ ብርቱዕ ተምላስ ከምኡ'ውን ምልክታት ወቕዕን ውነ ምስሓትን ከምዝርኣዮም ዶኳትር ሓቢሮም።

ኣብ ኢሊሩ ዝርከብ መንግስታዊ ሆስፒታል ቁጽሪ ሕሙማት ከይውስኽ ብምስጋእ ንኹሉ ዓራውቱ የዳልዎ ከምዘሎ'ውን ተሓቢሩ።

እዚ ጠንቁን እንታይነቱን ዘይተፈለጠ ሕማም፡ ህንዲ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ትቃለሰሉ ዘላ እዋን'ዩ ዝኽሰት ሰሎ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ እቶም ዘይንቡር ምልክታት ተራእይዎም ብኣንቡላንስ ተጸሮም ዝመጽኡ ዓሰርተታት ሕሙማት ናይ ኮሮንቫይረስ መርመራ ተግይርሎም ኩሎም እቲ ቫይረስ ከምዘይተረኸቦም ኣቃሊሐን።

ኣብቲ እቶም ሕሙማት ደቂሶሙሉ ዝርከቡ ሆስፒታል ዝርከብ ሓላፊ ንማዕከን ዜና ኢንድያን ኤክስፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ዘለዉ፡ ብፍላይ እቶም ህጻናት ኣብ ዓይኖም ብርቱዕ ቃንዛ ጀሚርዎም፡ ብድሕሪ ብርቱዕ ተምላስ ኣስዒብሎም፡ ገለ'ውን ኣብ ኮማ ኣትዮም ምጭብባጥ ናይ መትኒ ዘጋጠሞም ኣለዉ" ኢሉ።

ብዙሓት ናብ ሕክምና ምስ መጽኡ እቲ ዝርኣዮም ዝነበረ ምልክታት ሓዲገኦም ናብ ገዛ ከምዝተፋነዉ'ውን እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ኣንድራ ፕራዲሽ ሚኒስተር ጥዕና ኣላ ካሊ ክሪሽና እቲ ካብቶም ሕሙማት ዝተወሰደ ናይ ደም ቅምሶ ዝኾነ ምልክታት ናይ ተላባዕቲ ሓማማት ከምዘይተረኽቦ ገሊጹ።

ምኒስተር ኣላ ካሊ ክሪሽና "ናብቲ'ቶም ሕሙማት ዝደቀስሉ ሕክምና ወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ኣካየድና፡ እቲ ጠንቂ ዝተበከለ ማይ ወይ ኣየር'ዩ ክኸውን ዝኽእል ኢልና ገሚትና ኔርና፡ እንተኾነ ምስጢሩ ዘይተፈለጠ ሕማም'ዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ነዚ ንምፍላጥ ከኣ ላባራቶሪ መርመራታት ይግበር ኣሎ" ኢሉ።

እንተኾነ ተላጉ ደሳም ዝተባላ ተቃዋሚ ሰልፊ እቲ ጠንቂ ብከላ ክኸውን ይኽእል'ዩ ብምባል ምስጢር ናይቲ ሕማም ንክፍለጥ፡ መንግስቲ ጽዑቕ መርመራታት ክገብር ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ'ሎ።