እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ጀርመን 'ብሰብ ተበሊዑ' ክኸውን ዝኽእል ኣዕጽምቲ ረኺቦም
ፖሊስ ጀርመን ሰብ ብምቕታልን ስጋኡ ብምብላዕን ዝተጠርጠረ ወልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።
ኣዕጽምቲ ናይቲ ግዳይ ኣብ ሓደ ኣብ ሰሜን ርእሰከተማ በርሊን ድሕሪ ምርካቡ'ዮም ነቲ ጥርጡር ሒዞሞ።
ኪኢላታት መርመራ ገበን፡ እቲ ኣዕጽምቲ ናይ ሓደ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝጠፍአ ወዲ 44 ዓመት ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ቅትለት ናይቲ ግዳይ ምስ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዝ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ፖሊስ ይገልጹ።
ኣብቲ መናፈሲ ቦታ ክዛወሩ ዝመጹ ሰባት ብ8 ሕዳር ነቲ ኣዕጽምቲ ከምዝረኸብዎ'ውን ጠቒሶም።
ሓደ ኣባል ፖሊስ ን ቢ-ዘድ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓደ ካብቶም ኣዕጽምቲ፡ "ስጋ ዝብሃል ኣይነበሮን" ኢሉ። ዝተረኽበ ካልእ ሓበሬታ'ውን "ን'ስቴፋን ቲ' ግዳይ ናይ ሓደ በላዒ ሰብ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ ዝብል ጥርጣሬ ከነሕድር ገይሩና ኣሎ" ክብል ገሊጹ።
ፖሊስ ነቲ ጥርጡር ንምርካብ ኣብ ዘካየድዎ መርመራ ዘሽትቱ ንቑሓት ኣኽላባት ናብቲ ጥርጡር ዝነብረሉ ገዛ ከምዝመርሕዎም ተፈሊጡ።
እቲ ጥርጡር ወዲ 41 መምህር ናይ ሕሳብ ምዃኑ ጸብጻባት ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ 'ስቴፋን ኣር' ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ጥርጡር "ምስቲ ኩነታት ዝተኣሳሰር መርበባት ሓበሬታ ሃሰው ይብል ምንባሩ" ኣገልግሎት ዜና ጀርመን ኤ-ዲ-ፒ ጸብጺቡ።
ኣብ ጀርመን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት መርመራ፡ ካልኣይ ስም (ሰርኔም) ዘይምግላጽ ንቡር'ዩ።
እቲ መሃንድስ ናይ ኤለክትሪክ ዝኾነ ስቴፋን ቲ፡ ብ5 ሓምለ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ካብ ገዝኡ ምስ ወጸ ኣይተመልሰን። ብመዳቕስቱ ድማ ከም ዝጠፍአ ተሓቢሩ።
ማዕከናት ዜና ጀርመን ነቲ ኩነታት ምስቲ ኣብ 2006 ብምብላዕ ሰብ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበን ንሕልፈት ዝተኣስረን ኣርሚን ሚወስ የወዳድርዎ ኣለዉ።
ሚወስ፡ ነቲ ግዳይ ዝገበሮ ሰብ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ስጋ ሰብ ምብላዕ ንምዝርራብ ዝእከብሉ መዕለሊ መርበባት ኢንተርነት ከምዝረኸቦ ይፍለጥ።
ወዲ 44 ዓመት ሚወስ፡ ነቲ ቅትለት ብቪድዮ ከምዝቐድሖን፡ ነቲ ወዲ 43 ግዳይ ንጾታዊ ዕግበቱ ክብል ከም ዝቐተሎን ኣኽበርቲ ሕጊ ተዛሪቦም።