ኣመሪካ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን በጺሑ ተባሂሉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ: ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ መልከፍቲ 11.5 ሚልዮን ምብጽሑን ካብዚኦም እቶም 250,029 ከምዝሞቱ ይሕብር።
ኣመሪካ ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ብቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።
ኣብታ ሃገር ኣብዚ ሕጂ እዋን’ውን ልዑል ቁጽሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ከምዝተመዝገበን ይፍለጥ።
ኣብ ኣመሪካ ላዕለዋይ ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ዶክተር ኣንቶንዮ ፋውቺ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ቁሩ ዝበዝሖ ወቕቲ ምስ ምዃኑ ሰብ ኣብ ገዛ ምትእኽኻቡ ከምዘይተርፎ ብምሕባር “ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ” ኢሉ።
ቀንዲ ማእከል ለበዳ ምኳና ዝንገረላ ኒውዮርክ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጾ ኣዊጃ ኣላ።
ኣብ ኒውዮርክ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 3 ሚእታዊት ናይቲ ብዝሒ ህዝቢ ስለዝበጽሐ እቲ ውሳነ ምዕጻው ናይተን ኣብያተ ትምህርቲ ከም ኣወንታዊ ተበግሶ ተወሲዱ ኣሎ።
ኣብተን ክዕጽዋ ተኣዊጅለን ዘሎ ኣብያት ትምህርቲ ልዕሊ 300,000 ተምሃሮ ከምዘለዉ’ውን ተገሊጹ።
ዶክተር ኣንቶንዮ ፍውቺ እንታይ ኢሉ?
ዶክትር ኣንቶንዮ ፋውኢ ምስ ቢቢሲ ኒውስ ቻነል ብሮቡዕ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ብዝሒ ሓዲሽ መልከፍቲ ንቁጽሪ በዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ከዛይዶ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
“ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት ኢና ዘለና፡ ምስዚ ዘሎ ቁሪ ሰብ ኣብ ገዝኡ ይተኣኻኸብ ኣሎ እዚ ድማ ንሓዲሽ መልከፍቲ ከምዘዛይዶ ርዱእ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ዶክተር፡ ብትካላት ጥዕናን ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝውሃብ መምርሒታት ክትግበር ብምጽዋዕ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ኣካላዊ ምርሕሓቕ ምዝውታርን ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ቦታታት ዘይምኻድን ዝብላ መምርሒታት እተን ቀንዲ ምዃነን ገሊጹ።
“እዘን መምርሒታት ቀለልቲ ይመስላ ኮቪድ 19 ንምቁጽጻር ዘለወን ተራ ግን ኣዝዩ ልዑል እዩ”።
ዶክተር ፋውቺ ብምስዓብ ክታብት ብኹሉ ይፍተን ከምዘሎ ብምጥቃስ “ቁሩብ ዓቕሊ ገይርና ህይወትና ንዓቕብ” ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት 2200 ኣብ ዝነበረሉ፡ ዶክተር ኣንቶንዮ ፍውቺ እቲ ለበዳ ልዕሊ 200 ሽሕ ኣመሪካውያን ክቀትል ከምዝኽእልን ሚልዮናት በዚ ሕማም ከምዝልከፉን ተነብዩ ነይሩ።
ብረቡዕ ካብብ ፒፊዘር ኣንድ ባዮኤንተክ ዝወጽአ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፡ እቲ በቲ ትካል ዝማዕበለ ክታበት ኣብ ልዕሊ 65 ዕድሜኦም 94 ሚእታዊት ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዘርኣየ ይሕብር።
ዝሓለፈ ሰሙን በዚ ትካል ዝተሓተመ ጸብጻብ እቲ ዘማዕበልዎ ክታበት ልዕሊ 90 ሚእታዊት ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዘርኣየን ዝኾነ ዘሰክፍ ኣሉታዊ ተርእዮታት ከምዘይብሉን ምግላጽ ይዝከር።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
