እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒውዮርክ፡ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ናይ ‘‘መወዳእታ ዕድል’’ ዝበለቶ ክልከላ ጀሚራ
ከተማ ኒውዮርክ ሓድሽ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ክልከላታት ጀሚራ፤ ከንቲባ ቢል ዲ ብላስዮ ድማ ነቲ ንካልኣይ ግዘ ዝተኸሰተ ማዕበል ንምቁጽጻር ‘‘ናይ መወዳእታ ዕድል’’ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡
ኣባይቲ መስተ፣ ምግብን ስፖርትን ሰዓት 22፡00 ዝዕጸዋ ኮይነን፡ ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ሰባት ክእከቡ ኣይፍቀድን፡፡
ኣብ ኣመሪካ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝወሰኸ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝለዓለ ዝተባህለ ቁጽሪ 61,964 ኣመሪካውያን ኣብ ሆስፒታል ከምዝነበሩ ተገሊጹ፡፡
መዓልታዊ ድማ ብማእኸላይ ካብ 900 ንላዕሊ ሰባት በቲ ቫይረስ ይሞቱ ኣለዉ፡፡
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልትታት፡ መዓልታዊ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እዮም፤ እዚ ለበዳ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽድያን ክረምትን ዝተርኣየ ለበዳ ዝሓየለ ክኸውን ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ተዛሪቦም፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ እዋን ሆስፒታላት ብሕሙማት ክጨናነቓ ከምዝኽእላ እውን ሰብ ሞያ ኣጠንቂቖም፡፡
ኣባል ኣማኻሪት ጉጅለ ኮሮናቫይረስ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ዶ/ር ሚካኤል ኦስተርሆልም ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ዕጽዋ ነቲ ቫይረስ ክቆጻጸር ከምዝኽእል ገሊጹ፡፡
ኒውዮርክ ከመይ ኣላ?
ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ኮሮናቫይረስ ይደግስ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣመሓዳሪ ኣንድሪው ኩሞ፡ ‘‘ኒውዮርክ ኣብ ናይ ኮቪድ ማዕበል ከምዘላ መርከብ እያ’’ ክብል ንኹነታት እታ ከተማ ገሊጹ፡፡
ኣንድሪው ኮሞ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዝርገሐ ኣብ ኣብ ናይ ምሸት መዘናግዒታት ዘሎ ምትእኽኻባት ምዃኑ ምግላጹ ስዒቡ፡ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ነቶም ግልጋሎት ወሃብቲ ጸቕቲ ፈጢሮምሎም ኣለዉ፡፡
ዝርገሐ እቲ ቫይረስ በዚ እንተቐጺሉ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዕጸዋን፡ ቆልዑት ትምህርቲ ብኦንላይን ክመሃሩ ከምዝኽእሉን ከንቲባ እታ ከተማ ብላሲዮ ተዛሪቡ፡፡
‘‘እዚ ነቲ ካልኣይ ማዕበል ደው ንምባል ናይ መወዳእታ ዕድልና እዩ፡፡ ክንገብሮ ንኽእል ኢና፤ ግና ድማ ተግባራዊ ክኾን ዘለዎ ሐዚ እዩ’’ ብምባል እቲ ከንቲባ ኣብ ትዊተሩ ገሊጹ፡፡
ከተማ ኒውዮርክ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት በቲ ቫይረስ ተጠቒዓ ዝነበረት ኮይና ካብ መጋቢት ክሳብ ጉንበት ኣስታት 18 ሽሕ ሰባት ሞይቶምዋ እዮም፡፡