እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሻቕሎት ዝፈጠረ ትጽቢት ውጽኢት ምርጫ ኣሜሪካ 2020
ዛጊት ተረጋጊጹ ብዘሎ ውጽኢት ጆ ባይደን ካብቲ ዘድልዮ 270 ኤሌክቶራል ኮሌጅ 224 ብምርካብ ክመርሕ እንከሎ፡ ኣባል ሪፓብሊካን ትራምፕ 213 ረኺቡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ክሳድ ንኽሳድ ተሓናኒቖምሉ ዘለው እዚ ምርጫ፡ ውጽኢቱ ንምግማት ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ኣባል ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ምርጫ ከም ዝተዓወተሉ ብምግላጽ፡ ምትላል ከም ዝተፈጸመን ነቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ምዃኑን ፈኪሩ ኣሎ። መወዳድርቱ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ኣቐዲሙ ናብ ዓወት ገጹ ይግስግስ ከም ዘሎ እዩ ተዛሪቡ።
ጌና ብሚልዮናት ዝቑጸር ድምጺ ኣይተቖጸረን ኣሎ፤ ኣብዚ እዋን ዝኾነ ወገን ተዓዊተ እንተበለ፡ ተኣማኒ ክኸውን ኣይኽእልን። ዝቐረበ ናይ ምጭብርባር መረዳእታ እውን የሎን።
ምርጫ 2020 ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ዝበዝሐ ሰብ ዝተሳተፈሉ ምርጫ ኮይኑ ኣሎ።
ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ቅድሚ መዓልቲ ምርጫ ድምጾም ብፖስታ ክሰዱ እንከለው፡ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዝወዓለ መዓልቲ ምርጫ’ውን ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተሳቲፎም ኣለው።
እቲ ብፖስታ ዝተውሃበ ድምጺ ክሳብ ዝቑጸር፡ ምሉእ ውጽኢት ምርጫ ንመዓልትታት ከይፍለጥ ይኽእል እዩ።
ዛጊት ዘሎ ውጽኢት እንታይ ይመስል?
ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ መረጽቲ ብደረጃ ሃገር ዘይኮነ፡ ብደረጃ ክልል እዮም ዝመርሖም ዝመርጹ። ሓደ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ኮይኑ ንኽምረጽ፡ ኤሌክቶራል ኮሌጅ ብዝብል ዝፍለጥ ብውሕዱ 270 ድምጺ ክረክብ የድልዮ።
እዚ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ኣሜሪካ ንብዝሒ ህዝቢን ካልእን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝወሃበን ድምጺ እዩ። ናይ ኩለን ተደሚሩ 538 ይመጽእ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብታ ክዕወተላ ዘለዎ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝሰለጦ እዩ ዝመስል፡ እዚ ድማ ዳግማይ ናይ ምምራጽ ተኽእሎኡ ኣበሪኹዎ ይርከብ።
ትራምፕ ኣብታ ባይደን ክዕወተላ ሓሊሙ ዝነበረ ዓቃባዊት ግዝኣት ቴክሳስ’ውን ከም ዝዕወት ቢቢሲ ይግምት። ባይደን ግና ነታ ናይ ሪፓብሊካን ዕርዲ ዝነበረት ኣሪዞና ክምንዝዓ ይኽእል እዩ።
እዛ ንሪፓብሊካን ክትመርጽ ዝጸንሐት ግዝኣት ናብ ደሞክራትስ እንተዘዝያ፡ ንትራምፕ ብድሆ እዩ።
እቶም ተወዳደርቲ እንታይ ይብሉ ኣለው?
ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ምሸት ኣብ ዋይት ሃውስ 100 ኣጋይሽ ዝተዓደሙሉ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብቲ ከባቢ ሰዓት 2፡30 ዝገበሮ መደረ፡ "ነዚ ምርጫ ክንዕወተሉ ንዳሎ ኔርና፤ ብሓቂ ከኣ ተዓዊትናሉ ኢና" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ዝኾነ ጭብጢ እኳ እንተዘይኣቕረበ "ኣብ ሃገርና ዓቢይ ምጭብርባር እዩ ተፈጺሙ" ድሕሪ ምባል፡ "ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ክንከይድ ኢና" ኢሉ።
ነቲ ብፖስታ ዝተውሃበ ድምጺ ምቑጻር ክቋረጽ ብምጥላብ፡ "ኩሉ ድምጺ ምሃብ ደው ክብል ኢና እንደልይ" ኢሉ እቲ ፕረዚደንት። እዚ ብቦርድ ምርጫ ገለ ግዝኣታት፡ ድሕሪ እቲ መዓልቲ ምርጫ ሕጋዊ ተቐባልነት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ብሚልዮናት ዝቑጸር ድምጺ ጌና ብሕጂ እዩ ክቑጸር። ጆ ባይደን ን ርእይቶ ዶናልድ ትራምፕ "ዘሕንኽ፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ዘይቅኑዕን" ብምባል ክኹንኖ እንከሎ፤ "ንደሞክራስያዊ መሰል ኣሜሪካውያን ንምሕዳግ ዝግበር ቅሉዕ ጻዕሪ" ኢልዎ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ከባቢ ሰዓት 1፡00 ናይ ለይቲ፡ ባይደን ኣብ ዊልሚንግተን፡ ዴላዌር ንደገፍቱ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ከም ዝዕወት ተዛሪቡ።
"በቲ በጺሕናዮ ዘሎና ናይ ብሓቂ ሕጉሳት ኢና። ሎሚ ኣብዚ ዘለኹ፡ ኣብ ናይ ዓወት መስመር ምህላውና ከም እንኣምን ምእንቲ ክነግረኩም እዩ" ኢሉ።