ብህቦብላ ዳሃያ ዝጠፍአ ከተማ ፊሊፒንስ 90 ሚኢታዊ ህንጻታት ዓንዮም

ምንጪ ስእሊ, Red Cross Philipines
ፊሊፒንስ፡ "ጎኒ" ብዝበሃል ዝናብ ዝተሓወሰ ሓያል ህቦብላ ተሃስያ ኣላ። ብፍላይ ኸኣ: ድሕሪ'ቲ ህቦብላ ርክብ ብምቁራፁ ድሃያ ክርከብ ኣብ ዘይተኽኣለት ኣስታት 70 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ቪራክ: ከቢድ ሃሰያ ገጢሙ ተባሂሉ።
90 ሚኢታዊ ህንጻታት እታ ከተማ ዓንዮም ከምዘለዉ ቀይሕ መስቀል ንቢቢሲ ገሊጹ።
መራሒ ፊሊፒንስ ዲክ ጎርዶን፡ ገለ ዳህሳሳት ከምዘርእይዎ እታ ከተማ ኣዝያ ተሃስያ ከምዘላ እዩ ተዛሪቡ።
እዚ ህቦብላ: ኣብ ሰዓት 225 ኪሜ እናተሓምበበ: ብሓያል ንፋስን ዝናብን ኣብ'ታ ዓዲ ከቢድ ዕንወት የውርድ ኣሎ።
በቲ ሓደጋ፡ ዛጊድ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ'ሎ።
እንታይ ጉድኣት በጺሑ?
ከተማ ቪራክ እትርከበላ፤ ካታንዱነስ ዝተብሃለት ግዝኣት፡ ብውሕዱ 16 ሰባት በቲ ሐደጋ ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ፡ ህጻናት ይርከቦም።
መንበሪ ኣባይቲ ዓንዮምን መገድታት ድማ ብማይ ኣዕለቕሊቖም ኣለዉ።
ትማሊ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰባት ሽዑ ንሸዕዑ ዝሞቱ ኾይኖም፡ እቶም ክልተ ኣብ ማይ ድሕሪ ምጥሓሎም እዮም ህይወቶም ሓሊፋ።
እቲ ሓደ ድማ: ብውሕጅ ተወሲዱ ህይወቱ ዝሓለፈ ክኸውን ከሎ: እቲ ራብዓይ ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ብዝወደቐ ኦም እዩ ተቐቲሉ።
ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድማ፡ ኣብታ ናይቲ ሓደጋ ግዳይ ዝኾነት ክልል ብውሕዱ 6 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝረብ።
ቀይሕ መስቀል ከምዝበሎ፡ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ማይን ስልክን ተቛሪጹ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ናይቲ ከባቢ መዕርፎ ነፈርትን ናይ ባሕሪ መጓዓዝያን ዛጊድ ዓብዪ ጉድኣት ኣይበጽሖምን።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሓት ሰባት፡ #NasaanAngCatanduanes ከምኡ ድማ፡ ‘ካታንድዎስ ኣበይ ኣላ’ ዝብል ትርጓመ ብዘለውዎም ሃሽታጋት ብዛዕብኡ ክጽሕፉ ውዒሎም።
ኣልባይ ኣብ ዝተብሃለት ክልል ድማ፡ ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱ ይዝረብ።
ኣብታ ግዝኣት፡ ጊኖባታን ኣብ ዝተብሃለት ምምሕዳር፡ ልዕሊ 300 ገዛውቲ ከምዝዓነዉን ከምዝተቀበሩን ንወከልቲ እቲ ከባቢ ጠቂሱ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ቢኮን ኣብ ዝተብሃለት ክልል ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብህይወቶም ተቐቢሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተጸብጺቡ።
ፊሊፒንስ: ድሕሪ'ቲ ኣብ 2013 ዘጋጠማን 6 ሽሕ ሰባት ዝቐተለን ህቦብላ 'ሄይያን' ከም'ዚ ዝኣምሰለ ከቢድ ህቦብላ ሪኣ ኣይትፈልጥን።
ፊሊፒንስ ብሓደጋ ህቦብላ ደጋጊማ እትጥቃዕ ሃገር እያ።
ኣብ ዓመት ልዕሊ 20 ጊዜ ህቦብላ ይረአየላ። እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጓነፈ ሓደጋ ጥራይ፡ 22 ሰባት ስኢና እያ።
ፊሊፒንስ ኣብዚ ዓመት ምስ ሓደጋ ኮቪድ-19 ተዛሚዱ ብዙሕ ቅድመ ምድላው ከምዘይገበረት እዩ ዝዝረብ።
እንተኾነ ካብቶም ናይቲ ሓደጋ ግዳይ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝተገመቱ ሚልዮናት፡ ኣስታት 347 ሽሕ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወስዱ ሰብ ስልጣን ይዛረቡ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
