ኣብ ፈረንሳይ ሓደ ናይ ኦርቶዶክስ ቀሺ ብጥይት ቆሲሎም

Published

ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ሊዮን፡ ሓደ ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቀሺ ጥይት ተተኩሱዎም፡ ከቢድ መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞም ሰብ መዚ ገሊጾም።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ፡ ካብ’ቲ ቦታ ስለዝሃደመ፡ ፖሊስ ክሃድኑዎ ተገዲዶም። ጸኒሑ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ብዝገለጽዎ መሰረት፡ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ውዒሉ’ሎ።

መበገሲ ናይ’ቲ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን። ሰብ መዚ፡ ብፈተነ ቅትለት መዝገብ ከፊቶም የጻርይዎ እዮም ዘለዉ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ድሕረ’ቲ ኣብ ከተማ ኒስ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ካራ፡ ድሕሪ መዓልታት እዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ነቲ ኣብ ከተማ ኒስ ዘጋጠመ ቅትለት ሰለስተ ሰባት፡ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን “እስላማዊ ሽበራዊ መጥቃዕቲ” ክብል እዩ ገሊጹዎ።

መንግስቲ ፈረንሳይ፡ ንህዝባዊ ቦታታትን ኣብያተ እምነትን ዝሕልዉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣዋፊሩ እዩ ዝርከብ።

እቲ ኣብ ከተማ ሊዮን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ቀዳም ዘጋጠመ ኾይኑ፡ እቶም ቀሺ ቤተክርስትያን ዓጽዮም እናወጹ እንከለዉ እዩ ተተኩሱዎም።

ኣኽባሪ ሕጊ ናይ’ታ ከተማ ከምዝበሎ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ተጠርጣሪ፡ ኣብ እዋን ማእሰርቱ ዕጥቂ ኣይነበሮን ኢሉ።

እቶም ቀሺ፡ ኒኮላስ ካካቬላኪስ እዮም ዝበሃሉ። ኣብ’ዚ እዋን፡ ኣብ ሆስፒታል ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት እዮም ዘለዉ።

ኣብ ከብዶም ብክልተ ጥይት ስለዝተወቕዑ፡ ንህይወቶም ዘስግእ ጉድኣት እዩ ኣጋጢሙዎም።