ኣብ ቱርክን ግሪኽን ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ሞትን ውሑጅን ኣስዒቡ

ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓንን ነበርቲ ኢዝሚርን ኣብቶም ዝፈረሱ ህንፃታት ደሃዮም ንዝጠፍኡ ሰባት ይእልሹ ኣለዉ 30 ጥቅምቲ 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓንን ነበርቲ ኢዝሚርን ኣብቶም ዝፈረሱ ህንፃታት ደሃዮም ንዝጠፍኡ ሰባት ይእልሹ ኣለዉ
Published

ኣብ ቱርኪ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤጅያንን፡ ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ደሴት ሳሞስን ብዘጋጠም ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ህይወት ሰባት ጠፊኡ።

መፅናዕቲ ስነ-ምድሪ ኣሜሪካ እቲ ኣብ ቱርኪ ግዝኣት ኢዝሚር ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ 7 ሬክተር ስኬል መጠን ዝነበሮ ሓያል ምንባሩ ገሊፁ።

ቱርኪ ብወገና፡ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት 6.6 ሬክተር ስኬል ከምዝኾነ ኣፍሊጣ።

በዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ኢዝሚር ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም፡ 120 ሰባት ድማ ተጎዲኦም፤ ብዙሓት ህንፃታት'ውን ዓንዮም።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ውሱን ሱናሚን ውሑጅን ብምስዓብ፡ ንግዝኣት ኢዝሚርን ሳሞስን ዘዕለቕለቐ እንትኾን፡ ክሳብ ከተማታት ኢስታንቡልን ርእሰ ከተማ ኣቴንስን ከምዝበፅሐን፡ 10 ኪሎሜትር ዕምቆት ከምዘለዎን ተገሊፁ።

ቱርኪ፡ ዕምቆት እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ 16 ኪሎ ሜትር ከምዝኾነ እያ ትገልፅ።

ኣብ ቱርኪ: ኣብታ ብዕብየት ከተማታት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ ኢዝሚር፡ ብዙሓት ብስንባደ ኣብ ጎደናታት ክጎዩ ተራእዮም።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኦርላ ጉሪን፡ ብጣዕሚ ብዙሕ ደረጃታት ዘለዎ ህንፃ እንትፈርስ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ከምዝወፅኡ ፀብፂባ።

ኣብ ካልእ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድማ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ደሃይ ዝጠፍኡ ስድርኦም እንትደልዩ ተራእዮም።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂፕ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ መንግስቲ በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ንዝተጎድኡ ከምዝሕግዝ ኣፍሊጡ።

እዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ብሰንኪ ዘስዓቦ ውሑጅ፡ ባሕሪ ከምዝበረኸን ገለ ገፈፍቲ ዓሳ ደሃዮም ከምዝጠፍአን'ውን ተገሊፁ።

ሰብመዚ ግሪኽ ድማ፡ እቲ ኣብ ደሴት ሳሞስ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት 6.7 ከምዝልካዕ ሓቢሮም።

ኣብ ሳሞስ ሱናሚ ብዘስዓቦ ውሑጅ፡ ብዙሓት ህንፃታት ከም ዝዓነዉን ሰባት ከምዝተጎድኡን ተፈሊጡ።

ኣስታት 45 ሽሕ ነበርቲ እታ ደሴት ካብ ገማግም ባሕሪ ክርሕቑ ተነጊርዎም ነይሩ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ሎሚ ዝተርኣየ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ኣብ ግሪኽ ደሴት ክሬት'ውን ከምዘጋጠመ ተገሊፁ።

ነበርቲ ኣብ ዝፈረሱ ህንፃታት ዝጠፍኡ ሰባት እንትእልሹ ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።

ቱርክን ግሪኽን፡ ንምንቅጥቃጥ መሬት ተቓላዕቲ ብምዃነን፡ ብቀጻሊ ከጋጥመን ዝጸንሐ ተፈጥርኣዊ ክስተት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ምብራቓዊ ቱርኪ ግዝኣት ኤላዚግ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ 30 ሰባት ሞይቶም፡ 1600 ድማ ተጎዲኦም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2019 'ውን ኣብ ግሪኽ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ርእሰ ከተማ ኣቴንስ ከምዝተናወፀት ይዝከር።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ 1999፡ ኣብ ቱርኪ ከተማ ኢዝሚት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ድማ፡ ኣስታት 17 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ነይሩ።