እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል ነቲ ዝመርሖ መንግስቲ ኣፍሪሱ
ፕረዚደንት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሰኔጋል ዝኾነ ማኪ ሳል ነቲ ዝመርሖ መንግስቲ ከም ዘፍረሶ ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ዝተወሃበ መግለጺ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ማኪ ሳል ኣርባዕተ ድንጋገታት ዝሓዘ ኣዋጅ እዩ ከቲሙ ዘሎ።
እንተኾነ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማኪ ሳል ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ስለ ምንታይ ነቲ ዝመርሖ መንግስቲ ከም ዘፍረሶን ሓደሽቲ ካቢነ ሚኒሰትራት ምዓስ ከም ዝመዝዝን ኣየነጸረን።
እቲ ፕረዚደንት ኣፍሪስዎ ዘሎ ቅርጺ መንግስቲ 32 ሚኒስትራትን 3 ሃገራዊ ምምሕዳራትን ዝሓዘ እዩ።
እቲ ብዙሕ ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ መግለጺ "ሓደሽቲ ካቢነ ሚኒስትራትን ሃገራውያን ምምሕዳራትን ክሳብ ዝምዘዙ፡ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሚኒስተራትን ሃገራውያን ምምሕዳራትን ንግዚኡ ክመርሑ ይጽንሑ” ይብል።
ፕረዚደንት ማኪ ሳል ኣብ 2019 ኣብ ዝተገበረ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንሓሙሽተ ዓመት ነታ ሃገር ንኽመርሓ ንካልኣይ ግዜ ተመሪጹ።
እንተኾነ ገለ ነቐፍቲ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተገበረ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንገለ ካብ ተሰማዕትን ብዙሕ ሰዓብን ዘለዎም ፖሎቲከኛታት ኣብቲ መረጻ ከይወዳደሩ ኣጊዱዎም እዩ ይብሉ።