እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ፡ ሩዝን ፊኖን ዝርከቦ ናይ መግቢ ሓገዝ ንኤርትራ ሂባ
መንግስቲ ህንዲ፡ ንኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዝልኣኸ ገሊጹ።
እቲ 270 ሜትሮክ ቶን ናይ ፊኖ፣ ሩዝን ሽኮርን ሓገዝ ብባህርያዊ ሓደጋታትን ለበዳ ኮቪድ-19 ንዝተሃሰየ ህዝቢ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ህንድን ዘሎ ምሕዝነታውን ሕውነታዊ ዝምድናን ንዘመናት ዝጸንሐ ምዃኑን፡ ህንዲ ወትሩ ኣብ ጎድኒ ሃገራት ኣፍሪቃ ደው ከም እትብልን እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።
ህንዲ ንዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓገዝ ክትገብር ከም ዝጸንሐትን፡ እዚ ከአ መቀጸልታ ናቱ ምዃኑ ዝገለጸ ካልኣይ ጸሓፊ ጉዳያት ኤምባሲ ህንዲ ኣብ ኬንያ ራከሽ ሞሃን፡ ሃገሩ ኣቐዲማ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዝርከባ ሃገራት፡ ማዳጋስካር፡ ሞውሪሸስን ሲሸልስ፡ ማልዲቨስን ኮሞሮስን ተመሳሳሊ ሓገዛት ከም ዝገበረት ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ ሃገሩ ን150 ሃገራት ኣብ ሕክምና ኮሮናቫይረስ ዘገልግል፡ 'ሃይድሮክሲክሎሮኲን' ዝተባህለ መድሃኒት ሓገዝ ምሃባ እውን ሓቢሩ።
ህንዲ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ፡ በረራታት ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን፡ ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ብምዃን ኣብ ሃገራ ንዝተዓገቱ ዜጋታት ኣብ ምምላስን፡ ንሕክምናዊ ሓገዛት ፍሉይ በረራ ኣብ ምውዳድን ከም ዝሰርሐት እቲ መግለጺ ይነግር።
እቲ ሓገዝ 155 ሜትሪክ ቶን ሓርጭ ፊኖ፡ 65 ሜትሪክ ቶን ሩዝ ከም'ውን 50 ሜትሪክ ቶን ሽኮር እዩ።
ነቲ ሓገዝ ዝጸዓነት ወተሃደራዊት መርከብ ብቐዳም ካብ ወደብ ሙምባይ ከም ዝተበገሰትን ጽባሕ ኣብ ወደብ ሞምባሳ ከም እትበጽሕን ካብ ኤምባሲ ህንዲ ኣብ ናይሮቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።