እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ወላዲት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መበል 97 ዓመተን ዓሪፈን
ወላዲት ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝዀና ወይዘሮ ኣዳነሽ በርሀ፡ ብ22 ሰነ 2026 ኣብ መበል 97 ዓመተን ከም ዝዓረፋ ተሓቢሩ።
ብመሰረት መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ ስነ-ስርዓት ቀብረን ብ24 ሰነ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓዊሱ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ስድራ-ቤትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መካነ-መቓብር ጸሎት ተፈጺሙ።
ወ/ሮ ኣዳነሽ፡ ኣብ 1929 ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ኣቦአን ኣቶ በርሀ ወልደሃዋርያትን ኣደአን ወይዘሮ መድህን ስእሉን ዝተወልዳ ኰይነን፡ መባእታዊ ትምህርተን ኣብ ስኳላ ቪቶርዮ ከም ዝተኸታተላ ዛንታ ህይወተን የመልክት።
ብመሰረት ኣብቲ እዋን ዝነበረ ልምዲ ሕብረተሰብ፡ ኣብ 9 ዓመተን ምስ ኣቶ ኣፈወርቂ ኣብርሃም ቃል-ኪዳን ብምእሳር፡ ኣብ መበል 15 ዓመት ዕድመአን በዅሪ ውላደን ረኺበን።
ኣብ ናይ 42 ዓመታት ሓዳረን 14 ውሉዳት ዘፍረያ ኰይነን፡ ትሽዓተ ካብ ደቀን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ከም ዝተጸንበሩን ክልተ ድማ ኣብቲ ኲናት ከም ዝተሰውኡን ታሪኽ ህይወተን የረድእ።
ሓደ ካብዞም ውሉዳተን ድማ እቲ ኣብ 1966 ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተጸንበረ፣ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረን፣ ካብ ናጽነት ኣትሒዙ ፕረዚደንት ኤርትራ ኰይኑ ዘሎ ዝመርሕ ዘሎን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዩ።
እቲ ካብ 1991 ኣትሒዙ ብዘይ ሃገራዊ ምርጫ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ወዲ 80 ዓመት ፕረዚደንት፡ ቅዋም ከይትግበር ብምኽላካልን ንዝነበረ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ብምፍራስን ኣብታ ሃገር ስልጣን ብሒቱ ይርከብ። ንብዙሓት ብጾቱ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ'ውን ኣብ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝስወሩ ገይሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ወ/ሮ ኣዳነሽ፡ ብሰንኪ እቲ ደቀን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበሮም ተሳትፎን ብእኡ ዝመጸ ጸቕጥታትን ኣብ ኣስመራ ብሰላም ክነብራ ብዘይምኽኣለን፡ ኣብ 1978 - ኣብ እዋን እቲ ብ "ስትራተጅያዊ ምዝላቕ" ዝፍለጥ፡ ሰውራ ኤርትራ ካብ ኣፍደገ ኣስመራ ሓዊስካ ካብ ዝበዝሃ ከተማታት ኤርትራ ናብ ሳሕል ዝተደፍኣሉ እዋን - ብሜዳ ኤርትራ ኣቢለን ናብ ኣመሪካ ከም ዝተሰደዳ ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና የነጽር።
ኤርትራ ናጽነታ ምስ ረኸበት ድማ ናብ ሃገረን ዝተመልሳ ክዀና ኸለዋ፣ በዓል ቤተን ኣቶ ኣፈወርቂ ኣብርሃም ኣብ 1993 ዓሪፎም። ወይዘሮ ኣዳነሽ ድማ ክሳብ ዕለተ ሞተን ኣብ ኤርትራ ክነብራ ጸኒሐን።