እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ስራሕካ ሕጕስ ክትከውን ዝሕግዝ ሜላ
ኢመይል ክንምልስ፡ ብሞባይል ክንዘራረብ፡ ናይ ወረቓቕቲ ስራሕ ከነጻፍፍ ኵሉ ዳርጋ ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢልካ ዝግበር ነገራት'ዩ።
እዚ ኮፍ ኢልካ ስራሕ የሳልጥ ኣለኹ እትብሎ ግን ንጥዕናኻ ኣዝዩ ሃሳዪ'ዩ።
ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢልካ ምስራሕ ሚዛን ንኽትውስኽ፡ ሕማም ልቢ ንኸተጥሪ ከምኡ ከኣ ደረጃ ክልተ ሕማም ሽኮርያ ንኸተማዕብል ከምዘቃልዓካ ክኢላታት ሓቢሮም ኣለዉ።
ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ስራሕ ተጸሚድካ ወይ ተተኺልካ ምውዓል ሳዕቤን ከምዘለዎ መብዛሕትና ስለ እንፈልጦ ኣብ መንጎ ከነዕርፍ ከምዘለና ዳርጋ ክርድኣና ይኽእል'ዩ፤ እቲ ንመብዛሕትና ንጹር ዘይኰነ ግን ኣብ ስራሕና ውጽኢታውያን እናዀንና ኣብ ከከንደይ ኢና ካብ ሰድያን ተሲእና ክንንቀሳቐስ ዘለና ኣብ ዝብል ሕቶ ንጹር ስእሊ ዘይክህልወና ይኽእል'ዩ።
ኣብ ብሪቲሽ ጆርናል ዝተሓተመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሰዓት ንሓሙሽተ ደቂቕ ተሲእና ምንቅስቓስ ንውጽኢታውነትና ከይነከየ ጥዕናና ንኽንሕሉ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ወኒ፡ ውጽኢታውነትን ንቕሓትን ንምብራኽ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ
ነዚ ምርምር ብመሪሕነት ዘካየደ ኪዝ ድያዝ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ መብዛሕትኦም እኹላት ሰባት ሰለስተ ርብዒ ናይቲ ንቝሓት ዝዀንሉ እዋን ኮፍ ኢሎም ወይ ጎቦ ኰይኖም'ዮም ዘሕልፍዎ ይብል።
እቲ ሓፈሻዊ ምኽሪ "ውሑድ ኮፍ በል ብዙሕ ተንቀሳቕስ" ዝብል ቅኑዕ'ኳ እንተዀነ፡ ሰባት ግን ኮፍ ኢሎም ከሕልፍዎ ዘለዎምን ክንቀሳቐስዎን ዘለዎምን ክንደይ'ዩ ክፈልጡ ይደልዩ'ዮም ይብል ድያዝ።
ንሱ፡ "እቲ ጽቡቕ ዜና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሰዓት ናይ ስራሕና ንሓሙሽተ ደቂቕ ምንቕስቃስ ምግባር ወኒ ስራሕና ንኽበራበርን ረሸሽታ ወይ ድኻም ንምውጋድን እኹል እዩ፣ ሰባት ድማ ነዚ ክውንነታዊን ክብጻሕ ዝኽእልን ኰይኑ ረኺቦሞ ኣለዉ" ይብል።
እቲ ብዩኒቨርስቲ ኮሎምብያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ 11 ሽሕ ኣመሪካውያን ሰራሕተኛታትን መብዛሕትኦም ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑን ኣብ መዓልቲ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ኣብ ስራሕ ዘሕልፍዎን ድሕሪ ዝካየዶ ዳህሳስ'ዩ ናብዚ መደምደምታ ክበጽሕ ክኢሉ።
ኣብቲ እዋን መጽናዕቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን በቲ ልሙድ ኣካይዳኦም ከም ዝሰርሑ'ዩ ተገይ፣፡ መዓልታዊ ድማ ብዛዕባ ድኻሞም፡ ናይ ስራሕ ወኖምን ናይ ዝሰርሕዎ ውጽኢት ኣብ ወረቐት ንኸስፍርዎ ተሓቲቶም።
ኣብ ዝቐጸላ ክልተ ሰሙናት ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍርቂ ሰዓት፡ ሓደ ሰዓት ከምኡ ከኣ ክልተ ሰዓት ናይ ስርሖም ንሓሙሽተ ደቂቕ ከምዝንቀሳቐሱን ንተመሳሳሊ ሕቶታት ብዛዕባ ድኻሞም፡ ናይ ስራሕ ወኖምን ናይ ዝሰርሕዎ ውጽኢት ኣብ ወረቐት ንኸስፍርዎ ተሓቲቶም።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍርቂ ሰዓት ካብ ሰድያኻ ተሲእካ ንሓሙሽተ ደቃይቕ ምንቅስቃስ ናይ ስራሕ ወንኻ ክብ ንኽብልን ድኻምካ ንኽጐድልን ሓጋዚ ኰይኑ'ኳ እንተረኸብዎ ንመዓልታዊ ከተሳልጦ ዝግብኣካ ስራሕ ግን ከም ዘዛሕትሎ ገሊጾም።
ኣብ ነፍሲ ክልተ ሰዓት ንሓሙሽተ ደቃይቕ ካብ ሰድያኻ ተሲእካ ምንቅስቓስ'ውን ካብ ፈጺምካ ካብ ሰድያኻ ዘይምትሳእ ዝሓሸ'ዩ።
እቶም ተመራመርቲ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሰዓት ካብ ሰድያኻ ተሲእካ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ምንቅስቓስ ግን ንውጽኢታውነት ናይ ስራሕ፡ ንንቕሓት ወኒን ንንቑሕነትን ኣዝዩ ሓጋዚ ኰይኑ ከምዝረኸብዎ'ዮም ዝገልጹ።
ንሰዓታት ኮፍ ምባል ክትሓድጎ ዘጸግም ከቢድ ልምዲ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ዲያዝ፤ ብዙሓት ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት'ውን ኣብ ሰሰዓት ሓፍ ኢሎም ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ሓላፊኦም ወይ መሳርሕቶም ብዛዕባ ዕረፍቶም እንታይ ክሓስቡ እዮም ኢሎም ከምዝጭነቑ'ዮም ገሊጾም።
"ዋላ'ኳ ጸረ-ስራሕ ክመስል ዝኽእል እንተዀነ፡ ብሓቂ ኣብ መንጐ ስራሕ ትስእ ኢልካ ምንቅስቓስ ንውጽኢታውነት ስራሕ ከዕብዮ ይኽእል'ዩ" ይብል ዲያዝ።
"እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሰዓት ንሓሙሽተ ደቂቕ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ኣብ ስርሖም ውጽኢታውያን ይዀኑ፡ ኣቓልቦን ዝኽርን ከመሓይሹ ይኽእሉ፡ ሰባት ድማ ዝያዳ ርግኣት ክስምዖምን ንቝሓት ንክዀኑን ይሕግዞም'ዩ፡"ይብል።
እዚ ንኽንገብሮ ቀሊል ኰይኑ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ስራሕ ብቴሌፎን እናተዘራረብና ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ወይ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ኴንና ክንንቀሳቐስ ንኽእል ኢና ብምባል ንመዓልታዊ እንገብሮ ስራሕ ፈጺሙ ከምዘይዕንቅጾ ኪዝ ድያዝ ይሕብር።
ኣብ 'ብሪቲሽ ሀርት ፋውንደሽን' ላዕለወይቲ ነርሲ መጥባሕቲ ልቢ ኤሚሊ ማክግራት፡ ነቲ ውጽኢት መጽናዕቲ ብሓጎስ ብምቕባል፡ "ቀለልቲ ተወሳኺ ምንቅስቓስ ንሓፈሻዊ ጥዕና ከመሓይሽ ይኽእል'ዩ" ትብል።
ይዅን እምበር፡ "እቲ መጽናዕቲ ኣብ ባዕሎም [እቶም 11 ሽሕ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት] ዝጸብጸብዎ መረዳእታ ዝተመርኮሰን ናይ ሓጺር ግዜን ስለዝነበረ፡ ኣብ ጥዕና ልቢ ዘለዎ ጽልዋ ንምርግጋጽ ነዊሕ መጽናዕቲ ከምዘድሊ" ኣጠንቂቓ።