እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ዘስካሕክሕ ማእሰርቲ ስዑዲ ዝተመለሱ ስደተኛታት ከመይ ኣለዉ?
ጓል 39 ዓመት ዘውድነሽ በቀለ፡ ኣብ ጽባሕ 2013 ዓመት ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ካብ ስዑዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ 147 ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ስደተኛታት ሓንቲ እያ።
ካብቶም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ፡ ኣብ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርትታት ስዑዲ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ንሳን ካልኦት ውሑዳትን ንዓዶም ክምለሱ ምኽኣሎም ከም “ዕድል” እያ ትቖጽሮ። ሓጎሳ ክትቆጸጸር ከምዘይከኣለት’ውን እያ ትዛረብ።
ከም ባህጋ ዋላ’ኳ ገንዘብ ኣይተዋህልል፡ ከም’ቲ ዝሓሰበቶ ዋላ’ኳ ንድኽነት ኣይትስዓር፤ ዋላ’ውን ጥራይ ኢዳ ንዓዳ ምምላሳ ክትሕሰስ ዝገበራ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፈቶ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ጸበባ እዩ።
“ኣምላኽ ይመስገን መሬት ዓደይ ረጊጸ፡ ንደቀይ’ውን ብህይወት ተመሊሰሎም” ትብል ሕንቕንቕ እናበለት።
ኣብ’ቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝተዳጎንሉ ቤት-ማእሰርቲ “ብዙሓት ሓሚመን፡ ብዙሓት ተጸሊለን። ስነልቦናዊ ጸቕጢ ዝበጽሐን ኣለዋ። ብዘይሕጋዊ መገዲ፡ ዘይሕጋውያን ደላሎ እናወሰዱወን” ትብል።
ዘውድነሽ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ብሕጋዊ መገዲ እያ ናብ ስዑዲ ከይዳ። ኣብ’ዙ ዝነበራ ጻንሒት ግን ከምዝቶ ዘተስፈወቶ ርሁው ኣይነበረን። ካብ ብኣግኡ ጸገም ቋንቋ ኣጋጢሙዋ፤ ምስ ኣስራሕታ ክትረዳዳእ ኣይከኣለትን፡ ብገንኡ እያ ክትብደል ጀሚራ።
ናይ ስራሕ ፍቓዳ ምስወደቐ’ውን ኣብ ስዑዲ ክትጸንሕ ዝመረጸት ዘውድነሽ ብዙሕ ጸገም እዩ ኣጋጢሙዋ።
“ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ሰለፈይ ብኻራ ወጊኡኒ” ትብል።
ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተኻርየን ናብ ዝነብራሉ ገዛ ሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ብሃንደበት መጹወን።
“ነብሰይ ተሓጺበ፡ ፒጃማ እየ ተኸዲነ ነይረ። ቅያር ክዳን እኳ ዘይሓዝኩ ሓፊሶም ወሲዶምና” ትብል።
ኣብ’ቲ ዘውድነሽ ዝነበረትሉ ቤት ማእሰርቲ፡ ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ምንባሩ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ገሊጾምዎ እዮም። መውቃዕቲ፡ ብሰንሰለት ምእሳር፡ ልዕሊ ዓቐን ምጽቕቓጥ ነይሩ።
ዘውድነሽ ከምእትብሎ፡ እኹል ኣገልግሎት ሕክምና’ውን ኣይነበረን፤ ሕክምና ስኢና ዝሞተት ሓንቲ ስደተኛ ምንባራ’ውን ትዝክር።
ስለ’ዚ ድማ እያ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ነፋሪት ምስተሳፈረት ሓጎሳ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ።
ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለሰት ድማ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ን 11 መዓልታት ኣብ ሓደ ዩንቨርሲቲ ክትውሸብ ግድን ነይሩ። ካብ’ቲ መወሸቢ ማእከል ምስወጸት፡ ንመጓዓዝያ ብር 250 ተዋሂብዋ እያ ተፋንያ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ሕዚ’ውን ዘውድነሽ ድጋፍ ትጠልብ ኣላ።
ስራሕ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ እንዳ ኣዲኣ እያ ትነብር ዘላ። ምምሕዳር ናይ’ቲ እትነብረሉ ከባቢ፡ ሓገዝ ክግበረላ ምዃኑ’ኳ እንተሓበረላ፡ ዛጊድ ግን ዝጸወዓ ሰብ የለን።
ናይ ባንኪ ሕሳብ ቁጽራ ክትህብ ተሓቲታ፤ ሂባ ነይራ።
ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወጻኢ ፅዮን ተክሉ፡ ካብ ስደት ንዝተመለሱ ስደተኛታት ዝግበር ደገፍ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመሓየሸ እዩ መጺኡ በሃሊት እያ።
“ብዛዕባ ስዑዲ ዓረብ እንተልዒልና፡ ካብ ጉንበት 2017 ኣትሒዙ ክሳብ መጋቢት 2020፡ ኣስታት 400 ሽሕ ስደተኛታት መሊስና ኢና” ትብል።
እዚ ማለት ግን፡ እቶም ዝተመሉ ስደተኛታት ብቑጽሪ 400 ሽሕ እዮም ማለት ከምዘይኮነ ትገልጽ’ሞ “ሓሙሽተ ሻብ፡ ዓሰርተ ሻብ እናተመለሰ ዝተጉዓዘ ሰብ ትረክብ” ትብል።
እቶም ስደተኛታት ምስተመለሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ማእከላይ ናይ ስነ-ልቦና ሕክምና ይግበረሎም እዩ” ትብል።
ብዙሓት ስደተኛታት ምስ ስምብራቶም ከምዝነብሩ ኣብነት ክትከውን እትኽእል ገነት ታደለ እያ።
ገነት ንኣስታት 11 ዓመት እያ ኣብ ስዑዲ ጸኒሓ። እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ “ኣብ ዘስካሕክሕ ማእሰርቲ” እያ ኣሕሊፋተን።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሓመመት ትዛረብ። “እግረይ ጨቢጡ ሒዙኒ’ሎ። ሕዚ ድማ ቆራር እዋን ስለዝኾነ” ትብል ካብ ስዑዲ ዓረብ ምስተመለሰት፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ንቢቢሲ ክትዛረብ እንከላ።
“እንኽደኖ ኣይነበረናን። ሓንቲ ኮበርታ ነይራ፤ ኣብ ስሚንቶ ኣብ ባይታ ኢና ንድቅስ ነይርና” ክትብል ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበረ ኩነታት ትገልጽ።
ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት ዓሰርተ ክፍልታት ከምዝነበረ ትዝክር፤ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣስታት 60 ዝኾኑ ህጻናት ከምዝነበሩ እያ ትዛረብ። “ኣብ’ቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ክፍሊ፡ ዓሰርተ ክልተ ህጻናት ነይሮም” ትብል።
ምስተመለሰት ናብ ሕክምና እኳ እንተተመላለሰት፡ መሊኣ ግን ኣይሓወየትን።
ገነት’ውን ከም መሓዛኣ ዘውድነሽ ካብ ማእከል መወሸቢ ንእሽቶ ቅርሺ ተዋሂባ ከምዝተፋነወት እያ ንቢቢሲ ገሊጻ። ድሕሪኡ ግን፡ መጽበዓ እምበር ብጭቡጥ ዝረኸበቶ ሓገዝ ከምዘየለ ትገልጽ።
ዘውድነሽን ገነትን ተመሊሰን ንድደት ክኸዳ ኣይሓስባን፤ እኳ ደኣስ ሓገዝ ገንዘብ ወይ’ውን ናይ ሞያ ስልጠና ክወሃበን የተስፍዋ። ብዛዕባ መጻኢ ህይወተን ዝፈልጠኦ የብለንን፤ ብውሕዱ ግን ካብ’ቲ ዘስካሕክሕ ናይ ማእሰርቲ ህይወት ተናጊፈን፡ ኣብ እንዳ ወለደን ኣጽሊለን፡ ንግዚኡ ሩፍታ ረኺበን ኣለወን።