ኢትዮጵያ፡ 63 ሚኢታዊት ብኮቪድ-19 ዝተሓዙ ዘለው ሰባት ምልክት ኣየርኣዩን

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኮቪድ-19 ዝተሓዙ ዘለው ሰባት ምልክት ዘየርእዩ ምዃኖም ተገሊጹ።
ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝትሓዙ ዘለው እቶም 63 ሚኢታዊት ምልክት ዘየርእዩ ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ።
ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረሰተብ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዝሒ ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ዝኣትው ሰባት ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ካብ ዝነበረ ግዜ ይውስኽ ምህላው ሓቢሩ።
1.4 ሚኢታዊት ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ሕሙማት ድማ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ዝርከቡ ምዃኖም እቲ መግለጺ የመልክት።
ምኽትል ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣስቻለው ኣባይነህ ከም ዝበሎ፡ ኩለን ወረዳታት እታ ሃገር ብውሑድ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ከም ዝረኸባ ኣፍሊጡ።
ክሳብ ሕጂ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝልከፉ እቶም 57 ሚኢታዊት ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 34 ኮይኖም፡ ካብቶም ዝሞቱ 51.9 ሚኢታዊት ድማ ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት ከም ዝኾኑ መግለጺ እቲ ኢንስቲትዩት የመልክት።
ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ካብቶም ዘተለኸፉ 1.52 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ ኣቶ ኣስቻለው ገሊጹ።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልላት ኦሮሚያ፣ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ክልል ህዝብታትን ደቡብን ሲዳማን ብቕደም ሰዓብ ዝለዓለ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዘለወን ከባቢታት እታ ሃገር እየን።
ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብወገና፡ ኣካላዊ ርሕቐት ከይሓለኻን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይተጠቐምካን ኣገልግሎት ምሃብ ኮነ ምቕባል ነቲ ቫይረስ ዘቃልዕ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ኣተሓሳሲባ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝርኣይ ዕሽሽ ምባል ከቢድ ዋጋ ከም ዘኽፍል ብምግላጽ፡ ኩሉ ክፋል ሕብረሰተብ በቲ ቫይረስ ክልከፍ ከም ዝኽእል ተረዲኡ ግቡእ ጥንቃቐ ንክገብር ኣጠንቂቓ።
መጠን ሞት እቲ ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ 1.52 ሚኢታዊት፣ ኣብ ኣፍሪቃ 2.4 ሚኢታዊት፣ ኣብ ዓለም ድማ 2.8 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ ይግለጽ።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
