ኮሮናቫይረስ፡ ተስፋ ተነቢሩሉ ዝጸንሐ ፈተነ ክታበት ኦክስፎርድ ስለምንታይ ተቋሪጹ?

ተመራማሪት ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ 24 ሰነ 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣስትራዜኔካ ምስ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ብምትሕብባር ዘማዕበልዎ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ተስፋ ዝህብ ደረጃ በጺሑ ነይሩ። ሃንደበት ግና ዕንቅፋት ኣጋጢምዎም፤ ካብቶም ወለንታዊ ፈተነታት ዝገብሩሎም ዝነበሩ ሰባት ሓደ ብምሕማሙ እቲ መስርሕ ንግዚኡ ከም ዝቋረጽ ተገይሩ።

እቲ ዜና ንብዙሓት መንግስታት ኣሰንቢዱ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ክታበት፡ ንቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ፈተነታት ብዓወት ብምስጋሩ፡ በቲ ለበዳ ተዋጢራ ንዘላ ዓለምና መፍትሒ ክኸውን ተስፋ ተነቢሩሉ ነይሩ።

እቲ ናይ ኦክስፎርድ ክታበት ዝኾነ ዕንቅፋት ከጋጥሞ ኣይተደለየን። ብፍላይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኢዱ ክበጽሕ ብተስፋ ይጽበያ ነይሩ።

ኣውስትራልያን ብሪጣንያን ኣሜሪካን ኣቐዲመን ከፊለን እየን።

ብርክት ዝበሉ ፋብሪካታት መድሃኒት እቲ ናይ ኦክስፎርድ ክታበት ክዕወት'ዩ ብዝብል ንምፍራዩ ምድላዋት ክገብሩ ጀሚሮም እዮም።

ብዘይካ'ዚ ካብቶም ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዘለው ክታበታት፡ እዚ ናይ ኦክስፎርድ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በጺሑ ነይሩ። ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካ፡ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርከቡ ክሳብ 30 ሽሕ ዝበጽሑ ፍቓደኛታት እቲ ክታበት ተዋሂብዎም እዩ።

ካብ መንጎኦም ሓደ ሰብ ምሕማሙ እዩ እምበኣር ሕጂ ነቲ እዚ ኩሉ ዝተጻዕረሉ ክታበት፡ ንግዚኡ'ውን እንተኾነ ደው ከም ዝብል ዝገበረ።

እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ወለንተኛ ድሕሪ እቲ ክታበት ብረኽሲ ናይ ቫይረስ ዝሰዓበ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግለጽ ጸገም ዓንዲ ሕቖ ከም ዝተረኽቦ፡ ዘ ኒው ዮርክ ታየምስ ጸብጺቡ።

እንተኾነ፡ ግና መንቀሊ ናይቲ ሕማም ጌና ኣይተረጋገጸን ኣሎ፤ እቲ ሕማም ምስቲ ዝተወሃቦ ክታበት ዝተሓሓዝ እንተኾይኑ ነጻ ኣካል መርመራ ከካይድ እዩ።

ኣስትራዜኔካ ግና ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ዘጋጥም ምዃኑን ዘሻቕል ከም ዘየሎን ሓቢሩ።

ወሲኹ'ውን "እቲ ፈተነ ንግዚኡ'ዩ ተቋሪጹ ዘሎ፡ እቲ ሕሙም ብምንታይ ከም ዝሓመመ'ውን ኣይተፈለጠን። ምናልባት ምስቲ ክታበት ዝተሓሓዝ ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ንምዃኑ ከምዚ ዝበለ ክስተት ኣብ መስርሕ ምምዕባል መድሃኒት ክሳዕ ክንደይ ልሙድ እዩ? ፈተነ ኦክስፎርድ ፈሺሉ ዶ ይኸውን?

ክኸውን ይኽእል፡ ከይኸውን'ውን ይኽእል

ኣስትራዜኔካ ዓቢይ ትካል መፍረ መድሃኒት እዩ። ምስ ኦክስፎርድ ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለው ካብ ዝተሓበረሉ ጀሚሩ ብጽቡቕ ክስጉሙ እዮም ጸኒሖም። ዓለም'ውን ኣብኦም እዩ ተስፋ ኣንቢሩ።

ወላ'ኳ እዚ ዘጋጠመ ንኹሉ እንተኣሰንበደ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ፈተነ ካብ ዘለው ከባቢ 24 ክታበታት ከምቲ ናይ ኦክስፎርድን ኣስትራዜኔካን መስመሩ ሓልዩ ዝተጓዕዘ የሎን።

ንኣብነት ሩስያ ክታበት ከም ዝረኸበት እንተገለጸት፡ ዝረኸቦ ተቐባልነት ሒደት እዩ። ሓደ መድሃኒት ንምምዕባል ክትሰግሮም ዘይግብኣካ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣለው።

እዚ ናይ ኦክስፎርድን ኣስትራዜኔካን ጥምረት ዕንቅፋት ከም ዘጋጠሞ ቀዲሙ ዝጸብጸበ ስታትኒውስ፡ ንምንጭታት ኣስትራዜኔካ ብምጥቃስ፡ እቲ ሕሙም ጥዕንኡ ይመሓየሽ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣስትራዜኔካ'ውን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ፈተነ ደው ክብል ዝተገብረ፡ እቲ መስርሕ ከምኡ ስለ ዝእዝዝ እዩ፤ ከምዚ ዝኣመሰሉ ነገራት ከጋጥሙ እንከለው፡ እቲ ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐታት ደጊሙ ከም ዝፍተሽ ይግበር። እዚ ንቡር እዩ" ኢሉ። እቲ መስርሕ መዓልትታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

እዚ ኣብ መስርዕ ምምዕባል ክታበት ክሳብ ክንደይ ልሙድ ተርእዮ እዩ?

እቲ ክስተት ሓድሽ ኣይኮነን፤ ሓደ መድሃኒት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ እንተሎን ካብቶም ዝፍተነሎም ዘለው ሰባት ሓደ'ውን ሓሚሙ ሆስፒታል እንተኣትዩ፡ ብኡ ንብኡ እቲ ፈተነ ክቋረጽ ከምዝግበር ይግለጽ።

ነጻ ዝኾነ ኣካል ንመስርሕ እቲ ፈተነ ዝኸደሉ ኣገባብ ከም ዝፍትሽ ይግበር፤ እቲ ፈተነ ጨሪሱ ይቋረጽ ማለት ግና ኣይኮነን።

ንኮቪድ-19 ክታበት ንምምዕባል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ሰብ ሓሚሙ ፈተነ ደው ከም ዝብል ክግበር እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብተመሳሳሊ ሓደ ሰብ ሓሚሙ እቲ ፈተነ ክታበት ከም ዝቋረጽ ተገይሩ ነይሩ።

ምርምራት ምምዕባል ክታበት ኮሮናቫይረስ ሰይንት ፒተርስበርግ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ዜና ምስ ተዘርግሐ፡ ጸረ-ክታበት ዝጉስጉሱ ኣካላት "ነጊርናኩም ኔርና ኢና፤ እቲ ክታበት ይትረፈና፡ ህዝቢ ዓለም ከህልቑ እዩ ድልየቶም" ክብሉ ተሰሚዖም።

ኦክስፎርድን ኣስትራዜኔካን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዚ ዝግበር ዘሎ ዘተኣማምን ክታበት ንምምዕባል ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ፈተነ ደው ከም ዝብል ምግባሮም ክሳዕ ክንደይ ንጥዕና ናይ ሰባት ቀዳምነት ከም ዝህቡ መርኣያ ምዃኑ ገሊጾም።

ነቲ መድሃኒት ንምርካብ ቀሪብና ዶ ኣሎና?

ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም፡ 180 ክታበታት ይፍተኑ ኣለው። እንተኾነ ግና ካብኣቶም ሓደ'ውን ነቲ ክሊኒካዊ መስርሕ ኣይዛዘመን።

ነቲ ስነፍልጠታዊ ኣገባብ ምምዕባል መድሃኒት ካብ ዝስዕቡ ፈተነታት፡ ኣብዚ ዓመት ንተጠቀምቲ ቅሩባት ክኾኑ ዝኽእሉ ፈተነታት ከም ዘይህልው እቲ ትካል ይገልጽ።

እቲ ትካል ኣብዚ መደምደምታ ዝበጽሐ፡ ሓደ መድሃኒት ንምምዕባል ዝወስዶ ምዱብ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

ኣስትራዜኔካን ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድን ብሓባር ዘማዕብልዎ ዘለው ክታበት ፈላሚ ክኸውን ሰፊሕ ዕድል ኣለዎ ዝተባህለ ንቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ፈተነታት ብዘዕግብ ውጽኢት ክሓልፍ ብምኽኣሉ እዩ።

ናብ ሳልሳይ ምዕራፍ ካብ ዝሰግር'ውን ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ መድረኽ 30 ሽሕ ሰባት ተፈቲኑ ውጽኢቱ እናተጸባበዩ እንከለው እዩ ሓደ ሰብ ምሕማሙ ነቲ መሰርሕ መሰናኽል ኮይኑ ዘሎ።

በቲ ንቡር ጽኑዕ ስነፍልጠታዊ ኣገባብ ምምዕባል መድሃኒት ሳልሳይ መድረኽ ፈተነ፡ እቲ መድሃኒት ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝፍተንሉ ኮይኑ፡ ክሳብ ሓደ ዓመት ክወስድ ይኽእል።

Banner