ዩኒቨርሲቲ ሉዛን ስዊዘርላንድ ንኤርትራዊ ካህን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ናይ ክብሪ ዶክትረይት ሂቡ

ኤርትራዊ ካህን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ

ምንጪ ስእሊ, BRIGITTE MEUWISSEN

Published

ዩኒቨርሲቲ ሉዛን ስዊዘርላንድ፡ ንኤርትራዊ ካህን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ብዝገብሩዎ ጻዕርን ሓልዮትን ናይ ክብሪ ዶክትረይት መዓርግ ሂቡዎም።

ኣብ ሮማ ኢጣልያ ዝመደበሮም ኣወሃሃዲ ካቶሊካዊት ካህናት ኣብ ኤውሮጳን ኣላይ ምእመናን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተሸጊሮም ረድኤት ንዝሓቱ ስደተኛታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ህይወት ኣድሕን ሃገራት ጥልያንን ማልታን ኩሉ ክሕግእ ዝኽእልን ዘበለ ካልእ እናሓተቱ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ስደተኛታት ዘድሓኑን ዝሓገዙን እዮም።

ኣብ ርእሲኡ ኣባ ሙሴ ኣብ ሳይናይን ሰሃራን ብሸፋቱ ነጋዶ ደቂ ሰባት ንዝተኸትሩ ጽጉማት ዓቕሞም ብዘፍቅዶ ሞራላውን መንፈሳውን ሓገዝ ጥራሕ ዘይኮነ እንኮላይ ምስ ጠበቓታት ዝተፈለላያ ሃገራት ኮይኖም ሕጋዊ ፋይል ብምኽፋት ብሕጊ ዝምጉቱን ዝጣበቑን ካህን እዮም።

ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ከኣ ካብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ኣድሒኑዎም ከብቅዕ ብሓይሊ ንሊብያ ንዝመለሰ መንግስቲ ጥልያን ከሲሶም ብምስዓር፡ እቶም ብግፍዒ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ 10 ዓመት ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ፡ ብሕጋዊ መገዲ ቪዛን ካሕሳን ተዋሂቡዎም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ንከቕርቡ ንኢጣልያ ከምዝተመልሱ ቢቢሲ ትግርኛ ጸብጺባ ምንባራ ይዝከር።

ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ ስደተኛታት ዝገበሩዎ ዘይተሓለለ ደገፍ ኣብ 2015 ሕጹይ ሽልማት ኖቤል ሰላምን ኮይኖም ተረቚሖም ነይሮም።

ኣብ 2011 ደር ሽፒግል ዝተባህለ ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሕታማት ዝዝርግሕ ዝዓበየ ሰሙናዊ መጽሔት ጀርመን ፡ ንኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣብ ኣፍ ሞት ንዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ፡ ብዘርኣዩዎ ርህራሄን ሓልዮትን “ልኡኽ ፈጣሪ ብግብሪ” ዝብል ስያሜ ብምሃብ ሰፊሕ ሓተታ ጽሒፉሎም ነይሩ።

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ “ እቲ ናይ ክብሪ መዓርግ ንዓይ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ እቲ ብጸገምን ጭንቅን ዝሓለፈ ስደተኛ እውን ክብሪ እዩ” ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ጽንብል እቲ ንሓሙሸተ ሕሩያት ዝተዋህበ መዓርግ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር ኣብ ስዊዘርላንድ ክፍጸም ምዃኑ እውን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ወሲኾም ገሊጾም።

ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ኡርሱላ ዎልፍ፡ ቶማስ ኮቴር፡ ኢንግሪድ ፉልመርን ጀሮም ቢከምባክን ዝተባህሉ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትን ካብ ዩኒቨርስቲ ሉዛን፡ ብናይዚ ዓመት እዚ ደይስ ኣካደሚክስ ናይ ክብሪ ዶክተረይት መዓርግ ክሸለሙ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣፍሊጡ ኣሎ።