እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ ቤላሩስ ምስ ዝኣሰሮም ፖለቲከኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዘራሪቡ
ፕረዚደንት ሃገረ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ኣብ ማእሰርቲ ምስ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ተቐናቐንቱ ብሃንደበት ተራኺቡ።
እቲ ፕረዚደንት ነቶም እሱራት ፖለቲከኛታት፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዱ እዩ ኣዘራሪብዎም።
መራኸቢ ብዙሓን ናይ’ታ ሃገር ከምዝበሎ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስቶም ተቐናቐንቱ ብዛዕባ ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ እዩ ተዘራሪቡ።
ኣብ ደገ ዝርከቡ ተቓወምቲ፡ እዚ ስጉምቲ፡ ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ይደክም ምህላዉ ዘመላኽት እዩ ኢሎም።
ፕረዚደንት ሉካሼንኮ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ መረጻ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ከምዝተዓወተ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ መረጻ ግን ብዙሕ ምትላላት ዝነበሮ እዩ ይበሃል።
እዚ ኸኣ፡ ኣብ’ታ ሃገር ተቓውሞታት ክውላዕ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ መረጻ ኣብ ዘጋጠመ ናዕቢ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣሲሮም፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ብፖሊስ ተቐጥቂጦም እዮም።
ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን፡ ነቲ ሓድሽ ዕምሪ ስልጣን ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ኣይተቐበለኦን።
እቲ ኣኼባ እንታይ እዩ ነይሩ?
ውሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ናይ’ቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ንኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተኻየደ ዘተ “ሚስጥራዊ” ክኸውን እቶም ተሳተፍቲ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።
እንተኾነ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝዘርገሖ ስእሊ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ 11 መራሕቲ ተቓውሞ፡ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም የርእይ።
ኣብ’ቲ ስእሊ፡ እቶም መራሕቲ ተቓውሞ ኩሎም፡ ተጸዊጎም እዮም ዝራኣዩ።
ካብኣቶም ሓደ ድማ፡ ቪክቶር ባባሪኮ ይርከቦም። ንሱ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ መረጻ ቀንዲ ተቐናቓኒ ናይ ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ክኸውን ትጽቢት ዝተገበረሉ እዩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ'ቲ መረጻ ከይወዳደር ተኸልኪሉን ተኣሲሩን።
ብቤት ጽሕፈት ናይ’ቲ ፕረዚደንት ዝተዘርገሐት ሓጻር ቪድዮ’ውን ኣላ። ኣብ’ታ ቪድዮ፡ ሉካሼንኮ ነቶም ተቓወምቲ ከም’ዚ ክብሎም ይስማዕ።
“ንናትኩም ደገፍቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ሕብረተሰብ ከእምኖ ዝፍትን ዘለኹ፡ ነገራት ዝያዳ ኣስፊሕና ንርኣይ ዝብል እዩ”
ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ኣመልኪቱ ድማ “ኣብ ኣደባባያት ኮይንካ ሕገመንግስቲ ምምሕያሽ ኣይከኣልን” ክብል ይስማዕ።
ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ቪድዮ፡ እቶም ተቓወምቲ ብዛዕባ ገለ ነገር ክስሕቑ ይረኣዩ። እንተኾነ፡ እቲ ድምጺ ኣይስማዕን።