ሓይሊ ዕማም ትግራይ: ብኮሮናቫይረስ ንዝተነበሩ እገዳታት ኣመሓይሹ

Published

ትማሊ ዝተኣከበ ሓይሊ ዕማም ትግራይ: ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኽሰት ኣትሒዙ በብእዋኑ ንዝተነበሩ እገዳታት ምምሕያሽ ክግበር ወሲኑ::

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ: ሎሚ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምክልኻል ዝተገብረ እገዳታት ቁጠባ ህዝቢ ከይህሰ ምምሕያሽ ከምዝተገብረ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

"ሕቶታት ህዝቢ መሰረት ብምግባርን ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ምስ ዘለዉ ምሁራት ብምምኻርን ምምሕያሽ ገይርና ኣለና" ከኣ ኢሎም::

እቲ ቅድሚ ሎሚ ንክልተ ሰሙን ዝነበረ ናይ ምውሻብ እዋን ሕጂ ምስ መርመራ ናብ ሰሙን ተመሓይሹ ኣሎ። :

ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝግበር ዝነበረ ምውሻብ ተሪፉ ኣብ ኩለን ሆቴላት ምውሻብ ክፍቀድ ተወሲኑ ኣሎ::

ቢሮ ጥዕና ድማ ነቶም ዝተወሸቡ መርመራ ብምክያድ: ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ ከምዝወጽኡ ይገብር።

ብተመሳሳሊ: ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ኣጋይሽ: ቅድሚ ምጋሾም ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት መርመራ ኣካይዶም ውፅኢቶም እንተሒዞም: ኣብ ትግራይ ዳግም ከይተወሸቡን ከይተመርመሩን ክኣትዉ ተፈቒዱ ኣሎ::

ቅድሚ ሎሚ፡ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት (ሰዓት ሸሞንተ ብኤውሮጳ) ክዕፀዉ ኣለዎም ዝተበሃሉ ኣብያተ መስተ: ካብ ሎሚ ንደሓር ካብ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ (ሰዓት ዓሰርተ ብኤውሮጳ) ናይ ግድን ክዕፀዉ ተወሲኑ ኣሎ። ነዚ ትእዛዝ ዘየኽብር ወናኒ እንዳ መስተ: ፍቓድ ንግዱ ከሕደግ ከምዝኽእል ተወሲኑ ኣሎ::

ንክራይ ገዛ ብዝምልከት እቲ ለበዳ ምስ ተራእየ: ኣካረይቲ፡ ፍርቂ ዋጋ ክራይ ክንክዩን ሰባት ካብ ክራይ ገዛ ከየውፅኡን ተኣዚዞም ምንባሮም ይዝከር::

ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ግን እቲ ዝነበረ እግድ ክለዓልን: ኣገባብ ክራይ ገዛ ናብ ንቡር ክምለስን ሓይሊ ዕማም ትግራይ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ::

ንመጓዓዝያ ብዝምልከት ከኣ ሎም ቕነ ዝተመሓየሸ ኮይኑ: ብመሰረት እቲ ምምሕያሽ ተሳፈርቲ ዝኸፍልዎ ዋጋ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ። ካብ ሎሚ ንደሓር: ሰባት ሕጊ መጓዓዝያ ብዝእዝዞ መሰረት ዝዳነዩ ኮይኖም 'ማስክ' ምግባር ግን ሎሚ እውን ብግድነት ክትግበር እቲ ሓይሊ ዕማም ከምዝኣዘዘ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ ገሊፆም::

እቲ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ: ንምጅማር ትምህርቲ ዝምልከት ኮይኑ: ትምህርቲ 12 ክፍሊ ብደረጃ ፈደራል ስለዝምእኸል ጥቅምቲ 9 ክጅመር እዩ::

ካልኦት ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሃቡ ደረጃታት ትምህርቲን ኮሌጃትን ግን እቲ ኩነታት ተራእዩ ክውሰን እዩ: ካብ ምባል ወፃኢ ካብ መዓዝ ከምዝኽፈቱ ንፁር ግዜ ኣይተገለፀን::

ኮሮናቫይረስ ኣብ 88 ወረዳታት ትግራይ ከምዝኣተወን 45 ሚኢታዊ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝተላብዐን መግለፂ ዶ/ር ሓጎስ የረድእ::

ኣብ ክልል ትግራይ: 6 ማእከላት መመርመሪ ኣለዋ። ዛጊት ከኣ ልዕሊ 75 ሽሕ ሰባት ብናፃ ተመርሚሮም:: ካብቶም ዝተመርመሩ ከኣ 6,200 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺቡዎም። ኣብ 6 ማእከላት መፅንሕን መሐከምን ከኣ ሕክምናዊ ረድኤት ይወሃብ።

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 38 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ፀብፃብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ይሕብር::

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕዚ እውን ብደረጃ ዓለም ኮነ ኣብ ክልል ትግራይ መዓልታዊ ይውስኽ ኣሎ::

"እቲ ክሳብ ሕዚ ኣብ ከተማታት ዝረአ ዝነበረ ለበዳ: ናብ ገጠር እንተኣትዩ ሓደግኡ ክኸብድ እዩ" ኢሎም ዶ/ር ሓጎስ::

ሜላታት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ: ሎሚ እውን ብዝግባእ ክትግበሩ: ብፍላይ ድማ ኣፍካን ኣፍንጫኻን 'ማስክ' ምሽፋንን ርሕቐትካ ምሕላውን ብግድነት ክትግበሩ ኣተሓሳሲቦም።