ኣብ ኣመሪካ፡ ንሓንጎል ዘጥቅዕ ታህዋሲ ስለዝተረኸበ፡ ገለ ነበርቲ ማይ ቡምባ ከይትሰትዩ ተባሂሎም

Published

ኣብ ሃገረ ኣመሪካ፡ ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ሌክ ጃክሰን ናይ እትበሃል ከተማ ነበርቲ "ማይ ቡምባ ከይትጥቀሙ" ተባሂሎም ኣለዉ።

ምኽንያቱ ድማ፡ ንሓንጎል ዘጥቅዕን ቀታሊ ዝኾነን ደቂቕ ታህዋሲ (microbe) ኣብ ማይ ናይ'ታ ከተማ ስለዝተረኸበ እዩ።

ምርመራ ተገይሩ፡ እዚ 'ናይግሌሪያ ፎውለሪ' ዝበሃል ንእሽቶ ታህዋሲ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ንቐረብ ማይ ናይታ ከተማ ካብ'ዚ ታህዋሲ ንምጽራይ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዝወስደሎም ግን ኣይተፈልጠን።

ነበርቲ ናይ'ታ ከተማ፡ ናይ ቡምባ ማይ ንሽቓቕ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንኻልእ ዝኾነ ረብሓ ከየውዕልዎ እዩ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።

ካብ ነበርቲ ሌክ ጃክሰን ብተወሳኺ፡ ካልኦት ገለ ከባብታት ቴክሳስ'ውን እዚ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ። እንተኾነ፡ ትማሊ ቀዳም ማይ ቡምባ ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ተሓቢርዎም እዩ።

ኣብ'ታ 2700 ነበርቲ ዘለውዋ ከተማ ሌክ ጃክሰን ግን፡ እቲ መጠንቀቕታ ኣይተልዓለን።

ማይ ቡምባ ክንትቀም ኢና ዝብሉ ነበርቲ እንተልዮም ድማ፡ ነቲ ማይ ኣፍሊሖም ክጥቀሙ ሰብመዚ ኣጠንቂቖም እዮም።

ነበርቲ፡ ነብሶም ክሕጸቡ ኸለዉ፡ እቲ ማይ ብኣፎም ወይ ብኣፍንጨኦም ከይኣትዎም ክጥንቀቑ ከምዘለዎም'ውን ተሓቢርዎም እዩ።

እቲ ማይ በዚ ደቂቕ ቀታሊ ታህዋሲ ከምዝተበከለ ዝተፈለጠ፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ወዲ ስድሽተ ዓመት ቆልዓ ምስሞተ እዩ።

በዚ ታህዋስ ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ልዑል ረስኒ፡ ዕውልውል ምባል፡ ተምላስ፡ ሕማም ርእስን ክሳድን ዘጋጥሞም ኮይኑ፡ መብዛሕተኦም ድማ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ይሞቱ።