እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓጎስኩም ትስእንሉ ዳሕራይ ድማ ብዝሓሸ ትሕጎሰሉ ክሊ ዕድመ ኣየናይ ምዃኑ ትፈልጡ’ዶ?
ቅልውላው ማእኸላይ ዕድመ ዝበሃል ፅውፅዋይ ኣይኮነን፤ በዓል ሞያ ቁጠባ ደቪድ ብላንችፍላወር፡ ውፅኢት እቲ ኣብ 132 ሃገራት ዓለም ዘካየዶ ምርምር ደኣ'ምበር።
ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብማእኸል ሃገራዊ መፅናዕቲ ቁጠባ፣ 'ቲንክ ታንክ' ኣሜሪካን ብላንችፍላወርን ዝተሓተመ መፅናዕቲ፡ 'ናይ ሓጎስ ጥውዮ'( U-shaped) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከምዘሎ ይሕብር።
ምናልባት እዚ፡ ልዕሊ እቲ ከባብናን ማሕበረሰብናን ዘናእሱና ክኸውን ይኽእል እዩ።
"ደቂ ሰባት ዝያዳ ብዘርኢ ዝተኣሳስሩሉ ሱር ኣሎ" ይብል ብላንችፍላወር፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።
ቅልውላው ማእከላይ ዕድመ
ኣባላት እዚ ጉጅለ መፅናዕቲ ዝኾኑ ምሁራት ዩኒቨርሲቲ ኢዲንብሩ፡ እዚ ኣብ ማእከላይ ክሊ ዕድመ ዘጋጥም ቅልውላው፡ መንቀሊኡ ብማሕበረሰብ ዝግበር ፅልዋ ጥራሕ እንተይኮነስ ምስ ተፈጥሮ ዝተኣሳሰር እዩ ይብሉ።
ምሁር ኮሌጅ ዳርትማውዝ ፕሮፌሰር ብላንችፍላወር ብመሰረት ዘካየዶ መፅናዕቲ፡ 47.2 ዝዕድመኦም ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝርከቡ ሰባት፡ ዘይሕጉሳት እዮም።
ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘለዉ 48.2 ዝዕድሚኦም ሰባት እውን ሕጉሳት ኣይኮኑን። ዋላ እኳ እዚ ጭብጢ ብማእከላይ ገምጋም እንተኾነ፡ ነገራት ክመሓየሹ ጀሚሮም ኣለዉ። ግና ንምንታይ እዚ ክኸውን ክኢሉ?
"ሰባት ዕድሚኦም 47 እንክበፅሕ ዝያዳ ኣብ ስምዒት ዘይተሞርከሱ ግብራውያን ስለዝኾኑ እዮም። ናይ ሃገር ፕረዝደንት ክኾኑ ከምዘይኽእሉ ድሮ ዝተገንዘብሉ ዕድመ'ዩ" ይብል በዓል ሞያ ቁጠባ ብላንችፍላወር፡ ሰባት ንብሕትና ኣይኮናን ከምዝብሉ ብምሕባር።
"ኣህባይ'ውን 'U' ዝቕርፁ ዓይነት ሓጎስ እዩ ዘለዎም" ዝብል ብላንችፍላወር፡ ከም መረዳእታ ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ 508 ዓበይቲ ኣህባይ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ይጠቅስ።
ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ፡ እዞም እንስሳታት ኣብ መወዳእታ 20ታትን ኣብ ሞንጎ 30ታትን ሓጎሶም እናነከየ ይኸይድ። እዚ ማለት ማእከላይ ዕድመ ህበይ ምስ ማእከላይ ዕድመ ወድሰብ ማዕረ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
ሽሕ'ኳ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ናይ ባህልን ቁጠባን ኣፈላላይ እንተሃለወ፡ እዚ 'U-shaped' ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሓጎስ ንድፊ ግና፡ ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ዝተደጋገመ እዩ።
ኣብ ግዘ ብፅሕና ፅቡቕ ስምዒት ይስመዓና፤ ክሳብ መወዳእታ 40ታት ድማ ሓጎስና ንስእን፤ ዕድመና እናደፍአ እንትኸይድ ድማ መሊስና ጣዕሚ ይስመዓና።
ብመሰረቱ እቲ ዝያዳ ዝኸፍኣናን ሓጎስና ንስእነሉን ግዘ ኣብ ማእከላይ ክሊ ዕድመ እንትኸውን፡ ድሕሪ 50ታት ድማ መሊስና ሓጎስ ይስመዓናን ኣመስገንቲ ንኸውንን ይብል፡ እዚ በዓልሞያ።
እዚ፡ ኣብ 95 ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን 37 ምዕቡላት ሃገራትን ዝተርኣየ ኣድማስ ናይዚ ዑደት፡ ንብዙሓት ሰባት ዘደናግር ክኸውን ይኽእል እዩ።
"ሓቂ እዩ ማእከላይ እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ እዚ ጉዳይ ዝኸፍአ ኮይኑ፡ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ክነብሩ ኣብ ዝደልይሉ ድማ፡ ኣይኸውንን" ክብል ፅሒፉ እዩ ባንችፍላወር።
ውሑዳት ባህግታት
ብመንፅር ስነ-ልቦና ነዚ ክስትት እዚ ከብርሁ ዝኽእሉ ብዙሓት ክልሰ-ሓሳባት ኣለዉ። ካብ ሞንጎ እዚኦም እቲ ሓደ ድማ፡ ሰባት ብዕድመ እናደፍኡ እንትኸዱ እሞ ዘይክዉንን ባህጎም እንከይተገሃደ እንክተርፍ፡ ጥንካረኦምን ድኽመቶምን ብምፍላይ ዝቕበሉ ምዃኖም እዩ።
እቲ ካልእ ነጥቢ ድማ፡ ትስፉዋት ሰባት ነዊሕ ዕድመ ክነብሩ ከምዝብህጉ፡ ዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ መፅናዕትታት ይሕብሩ።
ባንችፍላወር "እቶም ሕጉሳት ሰባት ምስቶም ዘይሕጉሳት ሰባት እንክነፃፀሩ፡ ብሜላ፡ ነዊሕ ዕድመ ክነብሩ ዝኽእሉ እዮም" ክብል 'ዘይምሕጓስን ዕድመን' ኣብ ዝብል መፅናዕቱ ጽሒፉ ኣሎ።
እዚ መፅናዕቲ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንምንታይ ኩሉ ግዘ ሕጉሳት ከምዝኾኑ ዘብርህ እዩ።
ፀገም ቁጠባ ኣብ ክሊ ማእከላይ ዕድመ ንዝህሉ፡ ስእነት ሓጎስ ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልፅ ብላንችፍላወር፡ እዞም ሰባት ብሰንኪ ድሩት ቁጠባ ንብዙሕ ነገር ተቓላዕቲ ብምዃኖም፡ ቁጡዓት ከምዝኾኑ ይገልፅ፡ ነቲ ኣብ ዓመተ 2008/ 2009 ዝነበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ኸኣ ከም ኣብነት ይጸርሖ።
እዚ ድማ ካልእ ናይ ህይወት ፈተናታት ተወሲኽዎ፡ ከቢድ ንክኸውን ይገብሮ።
ለውጢ ኣብ ሓንጎል'ዩ
ኣብ ማእኸል መፅናዕቲ ብሩኪንግስ ተመራማሪ ዝኾነ ጆናታን ራውች እውን፡ ኣብ 2018 ኣብ ዘሕተሞ መፅሓፍ 'The Curve of Happiness፡ Why Life Improves After 50': ነዚ ጉዳይ ተንቲንዎ እዩ።
ራውች፡ ንበዓልሞያ ቁጠባ ብላንችፍላወር ሓዊሱ ንብዙሓት ሰብሞያ ቃለ-መሕተት ድሕሪ ምግባር፡ ናይ ሓንጎልና ልምዲ፡ ክንዓቢ እንከለና ክንቅየር ከምዝገብር እዩ ኣረጋጊፁ። ኣብዚ ግዘ ፍሉይ ህርፋንና ብምንካይ፡ ዝያዳ ኣብ ውልቃዊ ምትእስሳራት ነድህብ ማለት እዩ።
"ጥዕና ዘለዎ ለውጢ እዩ፤ ኣብ ማእኸል ግና ደስዘይብል ለውጢ ኣሎ" ክብል ፅሒፉ እዩ ራውች።
ንሱ ከምዝብሎ እቲ ኣብ 40ታት ዘጋጥም ቅልውላው፡ "ናይ ሃንቀውታ ክፍተት እዩ"፤ እዚ ድማ ብዙሓት እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮም ዕላማታት ኣዝዮም ህንጡያት ስለዝኾኑ እዩ።
መናእሰይ ድማ ሽቶታቶም ብምዕዋት ሓጎስ ክረኽቡ ስለዝሓስቡ፡ ትጽቢቶም "ናብ ጉጉይ መስመር" የምርሖም።
ብኻልእ ወገን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ዝነበሮም ሚዛን ሃንቀውታ ብምድርባይ፡ ስምዒታቶም ብኸመይ ክኣልዩ ከምዘለዎም ብዙሕ ክእለት የማዕብሉ።
ይኹን'ምበር ይብል ራውች፡ ኩሉ ሰብ ተመሳሳሊ ዑደት ክኽተል ከምዘይኽእል ብምሕባር፡ ሕማም፣ ሽቅለት ኣልቦነትን ፍትሕን ድማ፡ ዘሕድርዎ ዕዙዝ ፅልዋ ከምዘሎ ከም ምኽንያት የቐምጥ።
እዚ ኩነታት ምንፃግ ከቢድ ከምዝኾነ ዝገልፅ ራውች፡ ኣብ ክንዲ ነዚ ኩነታት ንምቅላስ ምፍታን፡ ነዚ ኩነታት ዝፈጠሩ ዕድላትን ኣንፃራዊ ስነ-ሞጎትን ብምርዳእ፡ ኣሜን ኢልካ ምቕባል ንድሕሪት ዘይበሃል ኣማራፂ ከምዝኾነ እዩ ዝገልፅ።
"ዋላ እኳ ንድፊ ሓጎስ 'U-shaped' ፈታኒ እንተኾነ ካብ ስምዒታውነት ብምስግጋር፡ ካብ ዘየድሊ ንሕንሕ ክንወጽእን ብምግባር፡ ብመገዲ ሓጎስን ጥበብን ክንጓዓዝ የኽእለና" ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።