ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓደጋ ውሑጅ ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ጉድኣት ኣብጺሑ

Published

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሚእቲ ዓመት ሓንሳብ ብዝኽሰት ዕልቕልቕ ውሕጅ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት ሓደጋ ኣጋጢሙዎ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብዝበጽሐ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ኣባይትን ትሕተ ቕርጽን'ውን ሓደጋ ከም ዘውረደ ሚንስተር ማይ መስኖን ኢነርጅን ከምኡ'ውን ሚኒስትሪ ሰላም ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ሚኒስትሪ ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ከሚል ኣብ ሰለስተ ክልላትን 23 ወረዳታትን ሓደጋ ውሕጅ ከም ዘጋጠመ ብምግላጽ፡ 580 ሽሕ ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሖምን ካብዚኦም እቶም 217 ሽሕ ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተዘናበሉ ገሊጻ።

ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ መስመር ሩባ ኣዋሽ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ፡ ኣብ ገማግም ሩባ ኦሞ ዝርከባ ከም ባቱን (ዝዋይ) መቂን ዝኣመሰላ ከተማታትን ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ኣባይን ጣናን ክሳብ ሱዳን ከምዝበጽሕ ተዛሪቡ።

እዚ ሓደጋ'ዚ ኣብ 100 ዓመት ሓደ ግዜ ዘጋጥም'ዩ ዝበለ ሚኒስተር ዶክተር ስለሺ በቀለ፡ እቲ ኣብ ሩባ ኣዋሽ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ተራእዩ ዘይፍለጥ መጠን ዘለዎ እዩ ኢሉ።

ኣብዚ ዓመት ከቢድ መጠን ዝናብ ከም ዝህሉ ኣቐዲሙ ከም ዝተፈለጠ ዝገልጽ እቲ ሚኒስተር፡ ቅድመ ምድላው ከም ዝተገበረ'ውን ሓቢሩ።

ንኣብነት ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ዓፋርን፡ ኣስታት 135 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መገዲ ውሕጅ ከምዝተጸገነን ተዛሪቡ።

ኣብቲ ሓደጋ ዝበጽሖ ከባቢ "ብሄሊኮፕተር ዝተደገፈ ህይወት ሰብ ናይ ምድሓን ዕውት ስራሕ ክስራሕ ተኻኢሉ'ዩ። እቲ ውሑጅ ሓያል ስለ ዝኾነ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ጥሪት ሓደጋ ከብጽሕ እንከሎ፡ ገለ መንበሪ ኣባይቲ'ውን በቲ ውሕጅ ተዋሒጦም'ዮም" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓገዝ መግብን ካልኦት ናውታትን ይግበር ከም ዘሎ ሚኒስትሪ ሰላም ገሊጹ።