ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ንዝተጎድኡ ኣመንታ 40 ሚልዮን ሂባ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ቅትለት ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተወለዐ ናዕቢ ንዝተጎድኡ ኣመንታ ንምድጋፍ 40 ሚልዮን ብር ሂባ።
ኣባል ናይ ደገፍ ኮሚተ እታ ቤተክርስትያን ዝኾነ፡ ቀሲስ ሙሉቀን ብርሃኑ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ 10 ሃገረ-ስብከታት ንዝርከባ 12,719 ሰባት ዝሓቖፋ 270 ስድራቤታት ዝተዋህበ'ዩ።
ብቕትለት ሃጫሉ ኣብ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ድማ ቆሲሎም'ዮም። ኣብ ንብረት'ውን ከቢድ ዕንወት ወሪዱ።
ምስቲ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዝቐጸለ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም ልዕሊ 5000 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም።
እቲ ብህጹጽ ዝወሃብ ደገፍ ኣብዚ እዋን'ዚ ምግባሩ፡ ንመሕለፊ ብዓል ሓድሽ ዓመትን፡ መጣየሲ ክኾኖምን ብዝብል ምዃኑ ቀሲስ ሙሉቀን ጠቒሱ።
እቲ ገንዘብ ካብ ካዝና ናይታ ቤተክርስትያንን፡ ካብ ምእመናን ዝተኣከበን ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ተወሳኺ 45 ሚልዮን ድማ፡ ብሰንኪ ስእነት ሓበሬታን ካልእ ምኽንያታትን ዝተረፉ እንተልዮም ንኽወሃብ ተመዲቡ'ሎ።
ንምምቕርሑ ብዝምልከት'ውን፡ ብመጠን ዝወረዶም ጉድኣት ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ። ብቐዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ቤተሰብ ምውታት ክኾኑ እንከለዉ፡ ስንክልና ዘጋጠሞምን፡ ብሕክምና ክፍወስ ዝኽእል ጉድኣት ዝወረዶም ተባሂሎም ተፈልዮም ኣለዉ።
እታ ቤተክርስትያን ምስ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፡ ዝርዝር ኣስማት ብምድላዉ፡ ናይ ባንኪ ሕሳብ ብምኽፋት ዝግብኦም ገንዘብ ድሮ ኣታዊ ገይራትሎም ኣላ።
እዚ ናይ መጀመርታ ዙርያ ምዃኑ ዝገለጸ፡ ቀሲስ ሙሉቀን፡ ነቶም ካልእ ናይ ንብረት ጉድኣት ዝወረዶም ንምድጋፍ መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ።
እተን ዓሰርተ ሃገረ-ስብከታት፡ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ኣርሲ፡ ምዕራብን ምብራቕን ሓረርጌ፡ ምብራቕ ሽዋ፡ ኢሉኣባቦራ፡ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋን ጅማን ዘለዋ ምዃነን ተፈሊጡ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
