ኢትዮጵያ፡ ኣብ ተርታ ንተመዛበልቲ ዕሽሽ ዝበሉ ሃገራት ዓለም ተኻቲታ

ምንጪ ስእሊ, Nashon Tado/NRC
ካውንስል ስደተኛታት ኖርዌጂያን ኣብ ተርታ "ንተመዛበልቲ ዕሽሽ ዝበሉ ሃገራት ዓለም" ኢትዮጵያ 9ይ ሰሪዑዋ።
እዚ ዝርዝር ሃገራት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ኣብ 2018 ዘጋጠመ ምምዝባል ዘልዓለ ኮይኑ፤ ካሜሮን ቀዳመይቲ ትርከብ። ኮንጎ ስዒባ እትርከብ ሃገር ኮይና፡ ኣብ 9ይ መስርዕ ዝተረቑሐት ኢትዮጵያ፡ ንዝተመዛበሉ ዜጋታታ ስቕታ ዝመረጸት ተባሂላ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ [2018] ኣብ ውሽጢ ሃገር 2.9 ሚሊዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ዘዘኻኸረ እዚ ጸብጻብ፡ እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ይገብራ ኢሉ።
ተመዛበልቲ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ፣ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ እምነትን ክነብሩ ተገዲዶም'ዮም ዝብል ጸብጻብ ካውንስል ስደተኛታት ኖርዌጂያን፡ ብዙሓት ናብ መንበሪኦም'ኳ እንተተመለሱ ሕጂ'ውን ድሕነት ከም ዘይስምዖም ይገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ፡ 8 ሚሊዮን ሰባት ሓገዝ መግቢ የድልዮም ነይሩ ዝበለ እዚ ጸብጻብ፡ ካብ ዓለማዊ ትካላት ፍርቂ ናይቲ ዝተሓተተ ጥራይ ከም ዝተረኸበ እቲ ፈብጻብ የረድእ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዘምጽኦ ለውጢ፡ ምስ ኤርትራ ዝፈጠሮ ሰላም ብመራኸብቲ ብዙሃን ሰፊሕ ሸፈነ'ዃ እንተረኸበ፡ ጉዳይ እዞም ተመዛበልቲ ግን መራኸብቲ ሓፋሽ ዓይንን እዝንን ኣይሃባሉን ይብል።
ካውንስል ስደተኛታት ኖርዌጂያን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ገለ ኽፋል ዓለምና ብዝበጽሕ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ቅልውላው ዝተጎድኡ ሰባት ትኹረት ረኺቦም ዝተፈላለዩ ሓገዛት እንትረኽቡ፤ ካልኦት ድማ ዝርእዮም ዝስእንሉ ምክንያት እንታይ'ዩ ኢሉ ይሓትት።
ካብ ጂኦፖለቲካዊ ድልየት ዝለዓል ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ዘቐምጥ እዚ ጸብጻብ፤ ፖለቲከኛታት ትኹረት ዘይሃበሎም ሰባት ርኣዪ እንተረኸቡ ነዚ ጸብጻብ ከም ዘውጽአ ይሕብር።
ፖለቲካዊ ውፍይነት ዘይምህላው፣ ትኩረት መራኸብቲ ብዙሃን ምስኣንን ቑጠባዊ ድጋፍ ዘይምርካብን ቀንዲ ምኽንያት እቲ ጸብጻብ ኮይኖም ተጠቒሶም ኣለው።
ማሕበረሰብ ዓለም ነዞም ወገናት ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ውፍይነት ውሑድ ምኻኑ ይገልጽ።
ኣብ ኢትዯጵያ፡ ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ሱዳንን ኤርትራን ዝመጽኡ 900 ሽሕ ስደተኛታት ኣለው።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
