ህንዲ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 78,761 መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ኮይና

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዛ ካብ ዓለም ብብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሃገረ ህንዲ፡ ብሰንበት ኣብ ሓደ መዓልቲ 78,761 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምርካብ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ 17 ሓምለ ኣመዝጊባቶ ዝነበረት ብዝሒ ብምሕላፍ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።
መንግስቲ ህንዲ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ስራሕ ንዝስኣኑ ሚልዮናት ዜጋታቱ ናብ ስርሒም ንክምለሱን፡ ንቁጠባ እታ ሃገር ንምብርባርን ነቲ ኣንቢርዎ ዝነበረ እግዳታት ከፍኩሶ ምስ ጀመረ’ዩ ቁጽሪ መልከፍቲ ብናህሪ ክውስኽ ተራእዩ።
ካብቲ ብሰንበት ኣብ ህንዲ ዝተመዝገበ ሓዲሽ መልከፍቲ እቲ ዝበዝሕ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ዝተመዝገበ ብምዃኑ ድማ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ መልከፍቲ ልዕሊ 25 ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ፡ ሞት 843000 ሰባት ድማ ተመዝጊቡ ዘሎ።
ኣሜሪካ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ዝተለኸፉ ሰባት ኣመዝጊባ ካብ ዓለም ኣብ ቅደሚት ተሰሪዓ ዘላ ሃገር’ያ።
ኣሜሪካ ኣብ 17 ሓምለ ኣብ ሓደ መዓልቲ 77,299 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምርካብ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ነይራ፡ ህንዲ ነዚ ቁጽሪ እዚ ብምብላጽ እያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ መልከፍቲ ዘመዝገበት ሃገር ተባሂላ ዘላ።
ክኢላ ሕማም ልቢ ዶክተር ማኖጅ ኩማር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበ ቃል “እቲ ምኽንያት፡ እቲ ሕማም ኣብ ገጠራት ኣትዩ እዩ፡ ወርሒ መጋቢት ምሉእ ዕጽዋ ምስ ተኣወጀ፡ ህንዲ ካብ ኮሮናቫይረስ ዝተገላገለት እዩ መሲልዋ ነይሩ። እቲ እገዳታት ምስ ተለዓለ ግን እቲ ሕማም ኣብ ገጠራትን ንኣሽቱ ከተማታትን ብናህሪ ከስፋሕፍሕ ንርእይ ኣለና” ኢሉ።
ኣብ ህንዲ፡ ቁጽሪ ሞት 63 ሽሕ ክብጽሕ እንከሎ ቁጽሪ መልከፍቲ ድማ 3.5 ሚልዮን በጺሑ ይርከብ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
