ኣብ ኣውሮጳ ኣንጻር እገዳታት ኮሮናቫይረስ ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ

Published

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንዝተነበረ ክልከላታት ብምቅዋም ሰልፍታት ይካየዱ ኣለዉ።

ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን፡ ኣንጻር እገዳታት ኮሮናቫይረስ ሰልፊ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ 300 ሰልፈኛታት ተኣሲሮም እዮም።

ኣብ ከተማ በርሊን፡ ኣስታት 38,000 ሽሕ ሰባት ሰልፊ ተቓውሞ ዘካየዱ ኾይኖም፡ መብዛሕትኡ እቲ ሰልፍታት ሰላማዊ እዩ ነይሩ።

ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣውሮጳ’ውን እቲ ለበዳ “ሓሶት እዩ” ዝብሉ ሰልፈኛታት ዝርከብዎም ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም።

ኣብ ከተማ ለንደን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣንጻር ክልከላታትን መስመራት ርክብ ሓምሻይ ወለዶ (5G) ብምቅዋም ሰልፊ ወጺኦም እዮም።

ኣብ ፓሪስ፣ ቪየናን ዙሪክን’ውን ተመሳሰልቲ ተቓውሞታት ተኻይዶም።

ኣብ ጀርመን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ፖሊስ በርሊን፡ ንመምርሒ ውሕስነት ጥሒሶም ንዝበሎም ሰባት ክብተኑ ምስኣዘዘ፡ እቶም ሰልፈኛታት ጠራሙዝን እምንን ስለዝደርበዩ 200 ሰባት ተኣሲሮም።

እቶም ሰልፈኛታት ተጸቓቒጦም፡ ኣብ ባይታ ተኣኪቦም ኮፍ ኢሎም እዮም ነይሮም።

ኣስታት 30,000 ዝበጽሑ ካልኦት ሰባት ድማ፡ መደረታት ክሰምዑ ተኣኪቦም ነይሮም።

ጀርመን ዋላኳ ከም’ቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዝተርኣየ ዓይነት ማዕበል ለበዳ ኮቪድ-19 ኣይትርአ፡ መጠን መልከፍትታታ ግን ይውስኽ ኣሎ።