ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብምኽንያት ጥዕና ካብ መዝነቱ ወሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን፡ ሺንዞ ኣቤ ብምኽንያት ኩነታት ጥዕና ስልጣኑ ከም ዝወረደ ኣፍሊጡ።
ጥዕንኡ ኣብ ስርሑ ዕንቅፋት ክፈጥር ከም ዘይደሊ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ኣብ መዝነት ክጽንሓሉ ዝግባእ እዋን ክፍጽም ብዘይምኽኣሉ ንህዝቢ ጃፓን ይቕሬታ ሓቲቱ።
ወዲ 65 ዓመት ሺንዞ ንብዙሕ ዓመታት ብነድሪ ከስዐ [ulcerative colitis] ክሳቐ'ኳ እንተጸንሐ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኩነታት ጥዕንኡ ከም ዝኸፍአ ተዛሪቡ።
ኣብ 2012 ደጊሙ ናብ ስልጣን ዝመጸ ሺንዞ፡ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ።
ብ2007 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ኣብ ስልጣን ክጸንሐሉ ኣብ ዝግባእ እብረ ብምኽንያት እቲ ዘለዎ ሕማም ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ነይሩ።
እዚ ሕማም ገና ኮተቴ እናሃለወ ሓቢሩዎ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለጽ።
ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ክልተ ሆስፒታል ዝተኣተወ ኮይኑ፡ ኣብቲ ሓደ ንሸሞንተ ሰዓታት ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ፤ ዘለወሉ ኩነታት ጥዕና ግን ብንጹር ኣይተፈለጠን።
ማዕኸን ዜና ኤንኤችኬ ወዲ 65 ዓመት ሺንዞ ኣቤ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ጸገም ክፈጥሩ ዝኽእሉ ነገራት ኣቐዲሙ ክኣሊ ይደሊ'ዩ ኢሉ።
ብ2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ስልጣን ዝመጽአ ቀዳማይ ሚኒስትር ሺንዞ ኣቤ ኣብ ጃፖን ብተኸታታሊ ቐዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ሰብ'ዩ።
ሺንዞ ኣቤ፡ "ኣቤኖሚክስ" ዝብል ናይ ባዕሉ ፍልስፍና ቑጠባ ተግባራዊ ብምግባር ነታ ሃገር ክመርሕ ጸኒሑ።
ጃፓን ኣብ ሓይሊ ምክልኻል እትምድቦ ባጀት ክዓቢ እንትገብር፡ እቲ ሰራዊት ካብ ርእሰ ምክልኻል ወጻእ ኣብ ካልእ ክዋፈር ዝኽልክል ዓንቀጽ 9 ኣብ ምልጋስ ከም ዘይተዓወተ ይግለጽ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ህጹጽ ሓፈሻዊ መረጻ ንምክያድ ታሕተዋይ ገዛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከፍርስ'ዩ ክብሃል ዝቐነየ ወረታት ሓለቓ ክፍሊ እቶት ሰልፊ ኤልዲፒ ኣኪራ ኣማሪ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ ብምባል ነጺጉዎ።
"ንግዚኡ ህጹጽ ሓፈሻዊ መረጻ ኣይካየድን" ኢሉ።
ብመሰረት ሕጊ ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብኣግባቡ ስርሑ ክሰርሕ እንተዘይክኢሉ ግዝያዊ ፈጻሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ክምዘዝ'ዩ፤ ክሳብ ክንደይ ይጸንሕ ዝብል ግን ኣይፍለጥን።
ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትሪ ፋይናንስን ታሮ ኣሶ ካብቶም እቲ ግዚያዊ መሪሕነት ክርከቡ'ዮም ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ዝርከብ'ዩ።
እቲ ግዚያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ግን ሓፈሻዊ መረጻ ንክካየድ ክጽውዕ ኣይኽእልን፤ ክሳብ ሓድሽ መራሒ ዝምረጽ ግን ጉዳያት በጀትን ውዕላትን ክመርሕን ከጸፍምን ይኽእል'ዩ።
እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቤ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ግን እቲ ሰልፊ ንዕኡ ዝትክእ ፕሬዝደንት ንክመርጽ ዘአንፍት እዩ።
እዚ መረጻ ድማ ናብ ባእቶ ወከልቲ ብምምራሕ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ንክምረጽ ይገብር።
እቲ ዝምረጽ ሰብ ድማ ክሳብ መወዳእታ እብረ ስልጣን ኣቤ መስከረም 2012 ኣብ ስልጣን ይጸንሕ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
