ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ስለምንታይ ድኻ ሃገራት ዝያዳ ይህሰያ ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ቁጠባ ዓለምና ኣዝዩ እዩ ዘንቆልቁል ዘሎ።
ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ካልኦት ሰብ ሞያ ቁጠባን ከምዝብልዎ፡ ሳዕቤን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1930ታት ዘጋጠመ ብ 'ግሬት ዲፕረሽን' ዝፍለጥ ቁጠባዊ ድስካለ፡ እቲ ዝኸፍአ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም፡ በዚ ለበዳ ይህሰያ'ኳ እንተሃለዋ፤ ዝያዳ ግን ቁጠባ ድኻታት ሃገራት ብዝተፈላለዩ መገድታት እዩ ዝህሰ ዘሎ።
ዋጋ ጥረ ኣቕሑ
ብዙሓት ገና ኣብ ምምዕባል ዘሎ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት፡ ኣብ ኢንዱስትሪታት ከም እታወት ዘገልግሉ ጥረ-ኣቑሑ ሰደድ ዝገብራ እየን። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋብሪካታት ስለዝተዓጸዋ ድማ፡ ናይዞም ጥረ-ኣቕሑ ጠለብ ነክዩ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዋጋ ናይዞም ጥረ-ኣቑሑ ይጎድል፤ ኣብ ገለ ኩነታት ከኣ ሓያሎ ይወድቕ።
ከም ኣብነት ከኣ፡ ምቁልቋል ዋጋ ነዳዲ፣ ነሓስን ዚንክን ምጥቃስ ይከኣል። ነሓስ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበሮ ዋጋ ብ 18 ምኢታዊት ሓሲሩ'ሎ። ዋጋ ዚንክ ምስ እንርኢ ድማ፡ 20 ሚኢታዊት እዩ ነክዩ።
ምንቁልቋል ዋጋ ናይዞም ጥረ ኣቑሑ ድማ፡ ነዞም ነገራት ሰደድ ኣብ ዝገብራ ሃገራት ንዘለዉ ንጥፈታት ንግድን ኣታዊ መንግስታቶምን ይሃስዮ ኣሎ።
ዓለምለኻዊ ወፍሪ
ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን ጸገም ኮይኑወን ዘሎ ካልእ ነገር፡ ዓለምለኻዊ ኣውፈርቲ (ኢንቨስተራት) ገንዘቦም ክስሕቡ ምጅማሮም እዩ።
ላዕለወይቲ በዓልቲ ሞያ ቁጠባ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ጊታ ጉፒናት ከምእትብሎ፡ ዓለምለኻዊ ኣውፈርቲ ብድፍረት ወፍርታት ካብ ምግባር ይቑጠቡ ምህላዎም ትገልጽ።
እዚ ማለት ድማ፡ ኣውፈርቲ 'ውሕስነት ዘይብለን' ኣብ ዝብልወን ሃገራት ንዝርከብ ወፍርታቶም እናሸጡ፡ ንገንዘባቶም ናብቲ ውሑስ ኢሎም ዝሓስብዎ ከም ኣመሪካ፣ ኣውሮጳ ጃፓን ዝኣመሰለ ቦታታት ይስሕቡ።
ናይ ወጻኢ ዕዳ
ካልእ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ድማ ናይ ወጻኢ ዕዳ እዩ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ባጤራ ዋግኡ ነክዩ ኣሎ።
ናይ ሃገራት ባጤራ ዋግኡ ከንቆልቁል ከሎ ድማ፡ ብኻልእ ዓይነት ባጤራ (ንኣብነት ብዶላር ኣመሪካ) ንዝተወሰደ ዕዳን ወለድን ንምምላስ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ድኻ ሃገራት ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥዕናዊ ቅልውላውን ሳዕቤናቱን ንምምካት፡ ገንዘበን ኣብ ዘውፍራሉ ዘለዋ እዋን፡ ናይ ወአኢ ዕዳን ወለድን ክኸፍላ ከጸግመለን እዩ። ነዚ ድማ እዩ፡ ኣብ ጉዳይ ድኻተት ሃገራት ዝወሰደኦ ናይ ወጻኢ ዕዳ፡ ጽዑቕ ጎስጓሳት ዝካየድ ዘሎ።
ዓለምለኻዊ ትለል ገንዘብን ምዕቡል ቁጠባ ዘለወን ሃገራትን፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሀገራት ዘሎ ሸኽሚ ንምቅላል ገለ ስጉምትታት ወሲደን ኣለዋ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ኣዋርሕ፡ ኣብ ምምላስ ዕዳን ምኽፋል ወለድን ሩፍታ ክረኽባ ብምግባረን እዩ።
ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ዝልእኽዎ ገንዘብ
ብስደት ወጺኦም ኣብ ደገ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ሃገሮም ናብ ዘለዉ ስድረኦም ዝልእኽዎ መጠን ገንዘብ ምንካዩ'ውን ንድኻታት ሃገራት ካልእ ሃስያ እዩ።
እዚ ካብ ሃብታማት ሃገራት ናብ ድኻታት ሃገራት ዝለኣኽ ገንዘብ፡ መነባብሮ ናይቶም ስድራተት ኣብ ምምሕያሽ ዓብዪ ተራ ከምዝጻወት ፍሉጥ እዩ።
ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ግን፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ስደተኛታት ዕድል ስራሕ ክስእኑ ስለዝኽእሉን ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣታውታቶም ስለዝጎድልን ናብ ስድአኦም ክልእኹ ይጽገሙ።
ከም ግምት ባንኪ ዓለም እንተኾይኑ፡ መጠን ኣብ ደገ ዝነብሩ ሰባት ናብ ስራታቶም ዝልእኽዎ ገንዘብ፡ ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብ 20 ምኢታዊት ክንኪ እዩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
