19 ኣካለ ስንኩላን ብኻራ ወጊኡ ዝቐተለ ጃፓናዊ ሞት ተፈሪድዎ

ሳቶሺ ኡማቱሱ ኣብ 2016

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ኣብ 2016፡ 19 ኣካለ ስንኩላን ብኻራ ወጊኡ ዝቐተለ ጃፓናዊ ንሞት ከምዝተፈርደ ተገሊጹ።

እዚ 'ሳቶሺ ኡማቱሱ' ዝተባህለ መንእሰይ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣካለ-ስንኩላን ክዛረቡ ዓቕሚ ከምዘይብሎምን ዝኾነ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይብሎምን ተዛሪቡ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ጃፓን ገሊጸን።

እዚ ወዲ 30 ዓመት፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ መናበዪ ኣረጋውያን ሰሪሑ ምንባሩ ይግለጽ።

እዚ ፍጻመ፡ እታ ብዙሕ ቅትለት ዘይረኣየላ ሃገረ ጃፓን ዘሰንበደ ፍጻመ ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ድማ ኣብ ከተማ ዮኮሆማ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብማሕነቕቲ ክቕተል ፈሪድዎ።

'ሳቶሺ ኣምተሱ'፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣንጻር እቲ ዝወሃቦ ብይን ይግባይ ከምዘይብል ኣፍሊጢ ነይሩ።

ቅድሚ እቲ ፍርዲ ግን፡ ጠበቓታቱ፡ እቲ ጥርጡር ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገምን ሓሺሽን ተጸሊዩ ነቲ መጥቃዕቲ ኣካይድዎ ብምባል ሓላፍነት ክወስድ ኣይክእልን ክብሉ ተማጒቶም ነይሮም።

እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ግን፡ ኣብቲ እዋን እቲ ውልቀሰብ ኣብ ጽቡቕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩነት ከምዝነበረን ዝፈጸሞ ገበን፡ ንሕስያ ዘይግብኦ እዩ ብምባል ተኸራኺሮም።

ኣብ 2016፡ 'ሳቶሺ ኣምተሱ' ኣብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ቶክዮ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ መናበዪ ኣረጋውያን ብምዃድ፡ ንዝድቕሱ ዝነበሩ ኣረጋውያን ሓደ ብሓደ 19 ሰባት ቀቲሉ።

ካልኦት ከባቢ 25 ሰባት ድማ ብጽኑዕ ተጎዲኦም። ድሕሪ እዚ ፍጻመ ድማ ንፖሊስ ከይዱ ኢዱ ኣረኪቡ።

ንሱ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ኣብቲ መናበዪ ኣረጋውያን፡ ከባቢ 150 ነበረትን 9 ሰራሕተኛታት ከምዝነበሩ ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ።