ኣዲስ ኣበባ፡ ሓደ ማእከል ጽኑዕ ሕክምና ኮሮናቫይረስ፡ 'ልዕሊ ዓቅመይ ኮይኑ' ኢሉ

ሚልንም ኣዳራሽ
Published

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣዳራሽ ሚለንዮም ባህላዊ ምርኢታትን ዓበይቲ ኮንሰርትን ዝርኣየሉ ዓቢ ኣደራሽ ኮይኑ፡ ድሕሪ ክስተት ኮሮናቫይረስ ምትዕርራይ ተገይርሉ: ሓደ ማእከል መሐከሚ ሕሙማት ከሮናቫይረስ ኮይኑ እዩ ዘገልግል ዘሎ።

ኣብዚ እዋን ግን እቲ ኣዳራሽ ናብ ምምላእ ገጹ ከምዝተቓረበ ይንገር ኣሎ።

ሜዲካል ዳይረክትር መሐከሚ ሕሙማት ሚለንዮም ኣዳራሽ፡ ዶክተር ውለታው ጫኔ፡ እቲ ኣዳራሽ ክዳሎ እንከሎ ክሳብ ሓደ ሽሕ ሕሙማት ከምዝሕዝን ኣብ ኣርባዕተ ዝተኸፈፋለን ኮይኑ ከምዝተሰርሐ'ዩ ዝገልጽ።

ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሓገዝ ቬንትለተር ንዘድልዮም፡ ብሓገዝ ማሽን ኦክስጅን ዘድልዮም፡ ፎኵስ ኦክስጅን ዘድልዮምን እቲ ራብዓይ ድማ ብኸቢድ ዘይሓመሙ ግን ድማ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ዝእለይሉ ምዃኑ ይገልጽ።

ዶክተር ውለታው ጫኔ ንህሉው ኩነታት እቲ ኣደራሽ ኣምለኪቱ ድማ እዚ ዝስዕብ ይብል።

"በዚ ሕጂ ዘለናሉ ኩነታት ኣብዛ ከተማን ኣብ መላእ ሃገርን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ይውስኽ እዩ ዘሎ፡ በዚ መሰረት ቁጽሪ ብጽኑዕ ናይ ዝሓሙ ዘለዉ ድማ ግድን እዩ ክውስኽ። ኣብዚ ኣዳራሽ እቶም ብጽኑዕ ዝሓመሙ ዝእለይሉ ቦታ ሓሙሽተ ዓራት ጥራይ እየን ነጻ ዘለዋ። ዝተረፈ ኩሉ መሊኡ'ዩ፡ ንሱ'ውን ማሽን የብሉን።

"ኣብቲ ፎኵስ ሓገዝ ኦክስጅን ዘድልዮም ቦታ ድማ ከምኡ ውሑዳት ዓራውቲ ኣለና፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ግን ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ፡ እኹል ጥንቃቐታት እንተዘይተገይሩ ሰኣን ሓገዝ ኦክስጅን ሰባት ከይሞቱ ፍርሕን ስግኣትን ኣሎ።"

ካብቶም ኣብቲ መእለዩ ጽኑዕ ሕሙማት ዝርከቡ 213 ሕሙማት: እቶም 118 ተሓከምቲ: ሓገዝ ናይ ኦክስጅን ይገበረሎም ከምዘሎ ዝሕብር ዶክተር ውለታው፡ ኣብቲ ፎኲስ ሓገዝ ኦክስጅን ዝሕከምሉ ክፍሊ ክሳብ 30 ዝኸውን ዓራውቲ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

"ሎሚ ጽኑዕ ምክትታል ዘድልዮ ሕሙም እንተመጺኡና ቦታ የብልናን፡ በዚ ዝርኣይ ዘሎ ብዝሒ መለክፍቲ: እቲ ኣብ ካልእ ክፍልታት ዘሎ ዓራውቲ ድማ ነዊሕ ከጽንሓና ኣይክእልን እዩ።"

እቲ ዶክተር፡ ነቲ ዘሎ ስግኣት ኣብነት ኣቕሪቡ የረድእ።

"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ዕስራ ዝኾኑ ብጽኑዕ ሓሚሞም ሓገዝ ማሽን ዘድልዮም ሰባት ይመጽኡና ነይሮም፡ ነዚ ከም መወከሲ ወሲድና ፡ ኣብ ኩሉ ክፍልታት 50 ዝኸውን ነጻ ዓራውቲ ኣለና እንተኢልና ኣብ ክልተ መዓልታተ ክመልእ'ዩ ማለት እዩ፡ እቲ ካልእ ጸገም ድማ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ዋላ ሓገዝ ማሽን የቋርጹ ክሳብ ጽቡቕ ገይሮም ዝሓውዩ ግዜ የድልዮም እዩ። ስለዚ እዚ ለበዳ ከምዚ ዘለዎ እንተቀጺሉ ልዕሊ ዓቕሚ ሆስፒታላትናን ሓካይምናን ከይከውን ፍርሒ ኣለና።"

ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ክትምርምር እንከላ፡ 44 ሽሕ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም። ካብዚኦም እቶም 15,796 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ሞት 709 ሰባት ድማ ኣመዝጊባ ኣላ።