እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ፡ ‘ኢትዮጵያ ናብ ሓደገኛን ዘየተኣማምንን ሃዋህው ትኣቱ ኣላ’
20 ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዝፈሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝረኣይ ዘሎ ማእሰርቲ፣ ምግፋዕን መቕተልትን ዜጋታት ከምዘስገኦም ገሊጾም።
እቶም ኣባለት፡ እዚ ‘ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘሰክፍ ኩነታት’ ኢሉ ዝጅመር ደብዳበ፡ ንዋና ጸሓፊ ስቴት ዲፓርትመነት ዝኾነ ማይክል ፔምፕዮ እዮም ፈሪሞም ሰዲዶም።
እቲ ደብዳበ፡ “ሓይልታት ጸጥታ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ጎንጽታት፣ ከምኡ’ውን ካብ ዲሞክራስያዊ መትከላት ምርሓቕን፡ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ዝወስዱን ናይ መጠንቀቕታ ደወላትን እዮም” ክብል ኣጠንቂቑ።
ብምዃኑ’ውን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ (ሰቴት ዲፓርትመንት)፡ ኣብዞም ጉዳያት ኣትኲሩ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረብ ጸዊዑ።
ብፍላይ ድሕሪ ቕትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ንዝተርአዩ ጎንጽታትን ማእሰርትን ኮኒኑ።
ነቲ ስነጥበባዊ'ውን መን ዝቐተሎ፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ይሓትት።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን እንትወጽእ፡ ናይ ሓባር መንግስቲ ንምፍጣርን ሓድነት ንምምጻእን ቃል ኣትዩ እንተነበረ’ኳ፡ ሕዚ ግን ብተግባር ነዚ ዝጻረር ኩነታት ይኸውን ከምዘሎ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ ይርከብ።
ከም ምፍታሕ ፖለቲካዊ እሱራትን፡ ኣተሓሳሰብ ብናጽነት ምስጓምን ዝኣመሰሉ ናእዳ ዝረኸቡ ጅማሮታት ናብ'ቲ ቅድም ኢሉ ዝነበሮ ሕማቕ ኩነታት ይምለስ ኣሎ ኢሉ።
ንኣብነት ድማ፡ ፍሉጣት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ምእሳርን ብፖለቲካዊ ዝተደፍአ ክሲ ምምስራትን የጋጥም ምህላዉ ጠቒሱ። ናጽነት ሚድያ'ውን ከምኡ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ ይብል።
ብሓፈሻ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዲሞክራስያዊ ሓዲድ ትወጽእ ኣላ ዝብል እቲ ደብዳበ፡ ብሂዩይማን ራይትስ ዎች፣ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ክራይስስ ግሩፕን ዝተሰነዱ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ጠቒሱ ስግኣቱ ገሊጹ።
ቅድሚ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣዋርሕ ቀዲሙ’ውን እንተኾነ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ምምጽኡ ኣመልኪቶም።
እቲ ደብዳበ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማዋእያን ተቓወምቲ ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ ምውሳዶም’ውን ገሊጹ።
“ዓሌታዊ ጎንጽታትን ክፍፋልን ዝተመልኣ፣ ዘይተረጋገዐትን፣ ፖለቲካዊ ማእሰርትን ደዳኝትን ዝሰፈና ሃገር፤ ናይ ኣመሪካ ሓቀኛ መሓዛ ክትከውን ኣይከኣላን” ይብል እቲ ደብዳበ።
ስለዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መረጻ ዝካየደሉ ቅድመ ኩነታት ንምችቻው ምስ ዝምልከቶም ተቓወምቲ ውድባት ክዝታይ፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዘሎ ህጹጽ ኣዋጅ መዓልቱ ክሓጽር ምግባር፣ ሓሳብ ናይ ምግላጽ ናጽነት ከኽባር፣ ኢንተርኔት ምዕጻው ጠጠው ከብል፥ ዓለማዊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረብዎም ግህሰት ክፍትሽ፣ ከምኡ’ውን ተሓታትነት ዘለዎን ግልጽነት ዝሰፈኖን ዳኝነት ክሰፍን ክገብር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቶም ኣባላት ኮንግረስ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እዚኦምን ዝኣመሰሉን ‘ኣሰከፍቲ’ ዝበሎም ጉዳያት ኣልዒሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረብን፡ ኣብ ውሸጢ 60 መዓልታት ነቶም ነዚ ደብዳበ ዝፈረሙ ሪፖርት ከቕርብን ሓቲቶም።