እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኢዶእ' ብዝብል ፖለቲካ ሓዘል ደርፉ ዝልለ ስነጥበባዊ ሓጎስ ገብረህይወት፡ መን እዩ?
ኣብ ሙዚቃ ትግርኛ ልዑል ኣበርክቶ ዘለዎ፡ ውሩይ ስነጥበባዊ ሓጎስ ገብረህይወት ብዝሓደሮ ሕማም ቀዳም 6 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ቀብሪ ናይቲ ስነጥበባዊ፡ ሰንበት 7 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቤተክርስትያን ኣቦ ከምዝተፈጸመ ስድርኡ ንቢቢሲ ተዛሪኦቦም።
ስነጥበባዊ ሓጎስ ገብረህይወት፡ ንኽልተ መዓልታት ብጽኑዕ ድሕሪ ምሕማሙ እዩ ዓሪፉ።
መጀመርታ ኣብ ሆስፒታል “ዋሺንግተን ዲሲ” ከምኡ’ውን ኣብ ሆስፒታል ጳውሎስ ሕክምና ተገይርሉ ነይሩ።
እቲ ብባህላውን ዘመናውን ቅዲ ሙዚቃ ትግርኛ ስሙይነት ዘትረፈ ስነጥበባዊ፡ ኣብ መበል 61 ዓመቱ እዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ስነጥበባዊ ሓጎስ ገብረህይወት መን እዩ?
ስነጥበባዊ ሓጎስ ገብረህይወት ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 1951 ዓ.ም ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ፡ ዕዳጋ ጅመር ኣብ እትበሃል ቦታ ተወሊዱ።
ምስ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሂሩት ኣራጌ ን 32 ዓመታት ኣብ ሓዳር ጸኒሖም፡ ሰለስተ ቆልዑ ድማ ኣፍርዮም።
ደቁ፡ በረኸት ሃለዋትን ኢዛናን ይበሃሉ። ንሶም’ውን ኣሰር ኣየኦም ስዒቦም ኣብ ሙዚቃ ይነጥፉ።
ሓጎስ ገብረህይወት፡ ኣብ ዘበነ ደርግ ኣብ ከተማ ዓድግራት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣግኣዚ እናተምሃረ እንከሎ፡ ተሓፊሱ ናብ ሰራዊት ከምዝተወሰደ ቅድም ክብል ምስ መጽሄት ሰርጌን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ገሊጹ ነይሩ።
ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ኩናት ተሳቲፉ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ እዚ ምብራቕ ኮይኑ ሙዚቃ ጀሚሩ።
ስነጥበባዊ ሓጎስ ገብረህይወት፡ 9 ምሉእ ኣልበም ደርፍታት ሰሪሑ እዩ። ንደርፍታቱ፡ ባዕሉ እዩ ግጥምን ዜማን ዝደርስ።
ምስ ውሩያት ናይ ሙዚቃ ጉጅለታት ኤክስፕረስ፡ ሮሃን ኣፍሮን ከምኡ ድማ ኣብ ሃገር ፍቅር ትያትርን ብሄራዊ ትያትርን ንነዊሕ ዓመታት ሰሪሑ እዩ።
ሓጎስ ገብረህይወት ምስ ውሩይ ስነጥበባዊ ኪሮስ ኣለማየሁ ናይ ቀረባ መሓዙት ነይሮም።
ኣብ’ቲ ኣብ ጥቅምቲ 2011 ምስ መጽሄት ሰርጌን ዝተገበረ ቃለመሕተት፡ “ምስ ኪሮስ ዓብዪ ምሕዝነት እዩ ነይሩና። ትግርኛ ኣብ ዓብዪ ደረጃ ክበጽሕ ዝከኣለና ገይርና ኢና” ኢሉ ነይሩ።
ሓጎስ ብፍላይ በታ “ኢዶእ” ዘርእስታን፡ ናይ ‘ተቓውሞ’ ትሕዝቶ ዘለዋን ደርፉ ብዙሕ ሰብ የልዕሎ።
ነታ ደርፊ ከመይ ከምዝሰርሓ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ “ኢዶእ ኣብ’ቲ ናይ ህወሓት ሕንፍሽፍሽ ግዜ፡ [1993 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ነቲ ኹነታት ምስሰማዕኹ ምሉእ ለይቲ እናሰራሕኹዋ ሓዲረ። ባዕልቶም ንባዕልቶም ክከኣኣሉ እናኸኣሉስ፡ እዚ ኹሉ ነገር ሓሊፎምስ፡ ከመይ ኢሎም ከም’ዚ ይገብሩ ኢለ ዝሰራሕኩዋ እያ” ኢሉ ነይሩ።
በታ ሕድሪ ሰማእታት ከምዝተበልዐ ዝገልጸላ ደርፉ፡ ካብ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ ጽዕንቶታት ከምዝበጽሖ’ውን ገሊጹ ነይሩ።