ፍረንሳ፡ ‘ግጉይ መገዲ ብምኽታላ’ ደግሲ ለበዳ ኮቪድ-19 የሻቓላ’ሎ

Published

ቀዳማይ ሚኒስትር ፈረንሳ ጅያን ካስተክ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዕጽፊ ብምውሳኹ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ኣተሓሕዛ ኮሮናቫይረስ ዝተኸተለቶ ‘ግጉይ መንገዲ’ ናብ ደግሲ እዚ ሕማም ከምዘቃልዓ ገሊጹ።

ሚኒሰትር ጥዕና እታ ሃገር፡ ካብ ሰኑይ ከሳብ ትማሊ 1397 ሓደሽቲ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡን ሞት 14 ሰባት ከም ዝተመዝገበን ሓቢሩ ኣሎ።

ካብዚ ብምብጋስ እቲ ልዕሊ 5000 ሰባት ኣብ ሓደ ከይእከቡ ዝብል ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ተናዊሑ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፈረንሳ ጅያን ካስተክ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንኽገብሩ ዘገድድ ሕጊ ከተኣታትዉን ተግባራውነቱ ከረጋግጹን ተማሕጺኑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር ብምስዓብ “ቅድሚ ሰለስተ ሳምንታት ኣብ መዓልቲ ትሕቲ ሽሕ ሰባት’ዮም ዝርከቡ ነይሮም።

ሕጂ ግን ኣብ መዓልቲ ኣስታት 2000 ሓደሽቲ ዝተለኸፉ ሰባት ንረክብ ኣለና፡ ኣዝዩ ዘተሓዛስብ እዩ” ኢሉ።

ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያን መንግስታዊ ትካላትን ኣብ እትኣትወሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክትገብር ዘገድድ ሕጊ ኣሎ።

ፈረንሳ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን’ያ ዝልዓለ መልከፍቲ ተመዝግብ ነይራ። ክሳብ ሎሚ ድማ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።

ብመሰረት ካብ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሎሚ ድማ 14 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

እታ ሃገር፡ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝሰዓበ ሞት ካብ ዓለም ኣብ መበል ሻውዓይ ደረጃ’ያ ተሰሪዓ ዘላ።

ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣሜሪካን ብራዚልን ነብሲ ወከፈን ልዕሊ 100000 ቁጽሪ ሞት ኣመዝጊበን ዘለዋ ሃገራት እየን።

ፈረንሳ፡ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘተኣታተወቶ ኣዋጃት ዕጽዋ ኣብ ወርሒ ግንቦትን ሰነን ከተላሕልሖ ስለዝጀመረት፡ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ ናብታ ሃገር ውሒዞም’ዮም።

ኣብታ ሃገር ሰብ ዝተኣከቦ ውድድራት ስፖርትን ልዕሊ 5000 ሰባት ዝሳተፍዎ ጽንብላትን ከይካየድ ብሕጊ ተኸልኪሉ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ልዕሊ 10000 ሰባት ዝተሳተፍዎ ባህላዊ ትልሂት ከም ዝተኻየደ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 10,800 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ብምሕባር፡ እቲ መጠን መልከፍቲ ኣብ ከተማታት ፓሪስን ማርሰልን ዝልዓለ ኮይኑ ምህላዉ ገሊጹ።

ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዘሎ ዝርገሐኸ እንታይ ይመስል?

  • ስጳኛ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ዝልዓለ ብዝሒ መልከፍቲ እያ ኣመዝጊባ ዘላ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 4,923 ሓዲሽ መልከፍቲ ይምዝገብ ኣሎ።
  • ሩስያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ረኺባ ምሃላዋ ትገልጽ ኣላ፡ እዚ ሩስያ ስሪሐዮ ትብሎ ዘላ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰብ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ተፈቲኑ ውጽኢት ከምዘርኣየ'ያ ሩስያ ትገልጽ።
  • ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ሰሉስ 1148 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ምርካባ ሓቢራ ኣላ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ሰነ 21 ዝተረኸበ ቁጽሪ፡ እቲ ዝልዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
  • ግሪኽ፡ ኣባያተ መግብን መስትን ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ ክዕጸዋ ዘገድድ ሕጊ ኣተኣታትያ'ላ።
  • ቀዳማይ ሚኒሰትር ላቲቭያ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ፡ ዜጋታቱ ዋላ ናብተን 'ድሓን ኣለዋ' ዝብሃላ ሃገራት ኣውሮጳ ከይገሹ ተማሕጺኑ ኣሎ።