እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 285 በጺሑ
Published
ኣብ ኤርትራ፡ ካብቶም ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ ሰባት ሰለስተ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ንሳቶም፡ ክልተ ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ድማ ኣብ ገርገፍ ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ እዮም።
ካልኦት 20 ሰባት ካብቲ ሕማም ሓዊዮም ንግዝኦም ከምዝተፋነው እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ወላ እኳ ምንቅስቓስ ሰባት ተኣጊዱ እንተሎ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ ከምኡ’ውን ብባሕሪ ብፍኑው ይኣትዉ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ክሳብ ሕጂ 12,375 ዜጋታት ተመሊሶም ኣለው።
ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት 285 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ከምዘለውን፡ ካብኣቶም 245 ሓዊዮም ኣለው።
ኤርትራ፡ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሰባት ከምእትምምር ክሳብ ሕጂ ኣየነጸረትን ዘላ። እታ ሃገር ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ምሉእ ዕጸዋ ብምእዋጅ፡ ንኣገዳሲ ምኽንያታታት እንተዘይኮይኑ ምንቅስቓሳት ኣጊዳ እያ ዘላ።