ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣስታት 18 ሽሕ በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, BBC
Published
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኡ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ’ታ ሃገር ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 17,999 ኮይኑ’ሎ።
ብሰንኪ እቲ ሕማም ተወሰኽቲ 10 ሰባት ከምዝሞቱ’ውን ተገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዛደድ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ 274 በጺሑ’ሎ።
ኣብ’ቲ ብቀዳም ምሸት ዝወጸ መግለጺ ከምዝተገለጸ፡ 7,358 ተወሰኽቲ ምርመራታት ተኻይዶም፡ 469 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም እዮም።
ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕዚ 429,712 ምርመራታት ከምዘካየደት ትገልጽ።
ክሳብ እዚ እዋን እዚ፡ ቁጽሪ ካብቲ ቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት ድማ 7,195 እዩ።
ካብቶም ሕክምና ዝግበረሎም ዘሎ ድማ፡ እቶም 68 ብጽኑዕ ሓሚሞም ዘለዉ እዮም።
ብደረጃ ዓለም፡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 17,849,853 ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ዓለምና፡ ብሰንኪ እዚ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ድማ፡ 685,054 በጺሑ’ሎ።
ብብዝሒ መልከፍቲ ኮነ ብብዝሒ ሞት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ ሃገር ኣመሪካ እያ። ብራዚል ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
