ኣብ ትግራይ አብ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑ 164 ሰባት ናብ ስድርኦም ተፋንዮም

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ተወሺቦም ዝጸንሑ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Aksum UNiversity

Published

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ክትትል ሕክምና ክግበረሎም ካብ ዝፀንሑ 467 ተጉዓዝቲ እቶም 164 ምልክታት እቲ ሕማም ስለዘይተርኣዮም ናብ ቤተሰቦም ተላኢኾም።

ሓደጋ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቡ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ን467 ተጉዓዝቲ ኣብ ማእኸላት መወሸቢ ግልጋሎት ሕክምና ይህብ ኣሎ፡፡

ክሳብ ሐዚ 164 ተጉዓዝቲ ኣብ ናይ 14 መዓልቲታት ፃንሒቶም ዝኾነ ይኹን ምልክት ቫይረስ ኮሮና ስለዘየርአዩ ናብ ቤተሰቦም ተሰንዮም ኣለዉ፡፡

ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣብ ሜላታት ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ግንዛበ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕባይ፣ ምጥያሽ ግዝያዊ ማእኸል ሕክምናን ኣብ ቀፅርታት ኣክሱም፣ ሽረን ዓድዋን ግልጋሎት ምዉሻብን ይህብ ኣሎ፡፡

ኣብ ትግራይ ካብ መቐለ ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ካልአዋይ ማእኸል ምርመራ ኮሮናቫይረስ ቀፃሊ ሰሙን ስርሑ ከምዝጅምር ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ገሊፁ። ነቲ ምርመራ ዘካይዱ ኣርባዕተ ሰብ ሞያ ኣብ ስልጠና ይርከቡ።