ኮሮናቫይረስ፡ በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ወጥሪ ኮቪድ-19 ይበዓል ኣሎ

Published

ሎሚ 31 ሓምለ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ የብዕሉ ኣለው። መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና፡ ምእመናን ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ "ንሕሙማት ምሕረት፡ ዓለምና ከኣ ድሕነት ንክትረክብ" ሕጊ ምክልኻል ኮቪድ ብዝእዝዞ ኣብ በቤቶም ብጸሎት ከብዕሉዎ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ብሰንኪ ኮቪድ-19 ሓፈሻዊ ኣነባብራ አህዛብ ከይተቐያየረ፡ ምእመናን ኣብ መሳጊድ ብሓባር ሰጊዶም ብሙፍትታትን መሻይኽን ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይቲ በዓል ዝምልከት መግለጺ ሰሚዖም፡ "እንቋዕ ነዚ ዕለት'ዚ ኣብቅዓና!" ተባሂሎም ተባሪኾም እዮም ነቲ በዓል ዝጽንብሉዎ ነይሮም።

ኮቪድ-19 ንምትእኽኻብን ምንቅስቓስን ሰባት ምስደረቶን ምስገትኦን ግን ኩሉ ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላት ኣኣብ ቤትካ ኮይንካ ከምዝበዓል ኮይኑ ኣሎ።

ቤ/ጽ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ፡ ምትእኽኻብ ንሓደጋ ኮሮናቫይረስ ስለ ዘቃልዕ ኩነታት ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ምእመናን ኣኣብ ቤቶም ኮይኖም ተጠንቂቖም ከብዕሉ ጸዊዖም።

ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራን ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ ሸኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ንዒድ ኣልኣድሓ ኣመልኪቱ ብመራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሎሚ ሰላት ኣብ መሳጊድን ክፉት ቦታን ከም ዘይካየድን ኣብ ገዛ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ክግበር ከም ዝከኣልን ሓቢሩ።

"ምትእኽኻብ ንሓደጋ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ስለ ዘቃልዕ ብዝምልከቶ ኣካል ዝወጸአ መምርሒ ቀጻሊ ስለዝኾነ ፍቓድ ረቢ ኮይኑ ሰላት ኣል ዒድ ንሎሚ ዓመት ኣብ ሜዳ ኮነ ካልእ ክፉት ቦታን መሳጊድን ጀዋምዕን ኣይክስገድን እዩ" ድሕሪ ምባል እቲ ብኸምዚ ኣገባብ ዝበዓል ዒድ እቲ ናይ መወዳእታ ክኸውን "ንኣላህ ንልምን" ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እውን ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉን ዝሞቱን ሰባት ኣዝዩ ይውስኽ ብምህላው፡ ነቲ "ወራር [ለበዳ] ንምክልኻል ከም ሓደ ሃይማኖታዊ ግዴታ ክንወስዶ ይግባእ። ኣብዚ ፈታኒ እዋን፡ ንዝተጸገሙ ወገናትና እውን ጸግዒ ክንኖም እጽውዕ" ብምባል ንስኡናት ምሕጋዝ ቅዱስ ምዃኑ ገሊጹ።

ኤርትራ ብሰንኪ ኮቪድ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ፍጹም ዕጽዋ ሕጂ እውን ኣብ ተዛማዲ ዕጽዋ ስለዘላ፡ ህዝቢ ብሕጽረትን ክብርን መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ተሸጊሩ ምህላው ምንጭታትና ኣረዲኦም።

ዋጋ ሃለኽቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ብምውሳኹ፡ ብመንግስቲ ዝወሃብ ሓገዝ እውን ስለዘየሎ፡ ኣብ ገሊኡ እንተሎ እውን ኣዝዩ ድሩት ብምዃኑ ህዝቢ ነዚ ከቢድ እዋን ስኑ ነኺሱ ንሓድሕዱ እናተሓጋገዘ የሕልፎ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን ንኣመንቲ ምስልምና ርሑስ ዒድ ክኾነሎም ተመንዩ።

ቦሪስ ኣብ መግለጺኡ፡ ብሰንኪ ኮቪድ ካብ መገሻ ሓጅ ዝተሰናኸሉን ከም ቀደሞም ተሓቛቒፎም ከሕልፍዎ ብዘይምኽኣሎም ሕማቕ ከምዝስመዖ ብምሕባር፡ "ኩሉኹም እቶም ለበዳ ኮቪድ ንምግታእ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፍኩም ዝመከትኩም፡ ሓካይም፣ ነርሳት ኣለይቲ ሕሙማንን ኣረጋውያንን ፖሊስ ዘወርቲ ኣምቡላስን ኣብ ኣገዳሲ ዓውዲ ዝተዋሳእኩም ኣመንቲ ብልቢ የመስግን" ክብል ኣድናቖቱ ገሊጹ።

ዒድ ኣልኣድሓ ምስ ቤተሰቡ ንከብዕሎ መኪና እናዘወረ ዘዘራብናዮ ተቐማጢ ሽወደን ካልድ ዓብዱ፡ "ሃገረ ሽወደን ካብ መጀመርታ ጽኑዕ ጥንቃቐ ክግበር እምበር ፍጹም ዕጽዋ ስለዘይኣወጀት ምስ ቤተሰብ ከብዕሎ ይኸይድ ኣለኹ" ብምባል ንኹሎም ኣመንቲ ምስልምና ርሑስ ዒድ ተመንዩ።

ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ገዲም ተጋዳላይ ፈለማ ሰብዓታት ዓብዱ ዓብደላ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተባዕለ ዒድ ኣልፈጥር፡ ዒድ ኣልፈጥር ድሕሪ ነዊሕ መዓልታት ጾም፡ ምስ እትፈትዎም ስድራ-ቤት አሕዋትን ብጾትን ሓቢርካ እተብዕሎ መዓልቲ ሓጎስ እኳ እንተኾነ ብሰንኪ ኮቪድ ዘምጽኦ ዕጽዋ ኣኣብ ቤቶም ኮይኖም የብዕልዎ ምህላዎም ሓቢሩ።

"ልዕሊ ኹሉ ጥዕና እዩ። ንጥዕናን ድሕነትን ዝኾነ ዋጋ ክትከፍል ግድን እዩ። ስለዚ ንመንእሰያት ደቅና እውን እንተኾነ ነዞም ዕድመ ዝደፋእና ወለድኹም ከይትልክሙና በጃኹም ነብሶም ክገትኡ ነገድዶም ኣሎና" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣስታት 30 ዝኾኑ ዜጋታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቅነ ዒድ ኣልፈጥር፡ ኣደ ሓሙሽተ ቖልዑ መንእሰይ ሙና ሃንደበት ብኮቪድ ብምማታ፡ ንማሕበረ ሰብ ለንደን ካብዚ ንዓለምና ኣሸቚሪሩዋ ዘሎ ለበዳ ክጥንቀቑን መምርሒ ሞያውያን ከኽብሩ ኣዘኻኺሩ።

መራሕቲ ሃይማኖት ወትሩ፡ ኩሎም ምእመናን ኣብዚ ኩቡር ዒድ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝኾነ ንጽጉማትን ዘኽታማት ክድግፉ፡ ብፍቕርን ስኒትን ክነብሩን ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙን እዮም ዝምዕዱን ዝመኽሩን።